ውሳኔ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣየርላንድ

ዝኸበርካ ኤርትራዊ መንእሰይ ወለዶ!

ንሕና ኤርትራውያን መንእሰያት ፡ ኣብ ሃገርና ከይንዛረብ ኣፍና ተዓቢሱ፡ ብስም ሃገራዊ ኣገለገሎት ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ዕስክርና ከም ጅሆ ተታሒዝና፤ ኣብ ትሕቲ ሓደ ፍጹም ወተሃደራዊ ምልኪ ብናይ ጸጥታ መሓውራቱ ተኸቢብና ገላዩ ናይ 21 ክፍለ ዘበን ኮይንናሉ ዘሎናሉ ህሞት፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ጀጋኑ ደቒ ሃገር፡ ሃገር ንክተህልወና ንእስነቶም ኣብ ገድሊ ዘብለይዎን መናእሰያትን ብርሃን ዓለም ሓሪሙ ኣብ ጎዳጉዲ ሓይሩ፤ ገሌና ድማ ካብዚ ምረት ከነምልጥ በቶም ሃሱሳት ህግደፍ አብ ዶባት ብቓጻ ብተመልከተይ ዕሸላት ብርኮም ዘይደልደል ክቕዝፉን፤ ነዚ ንዝሰገሩ ድማ ምስ በዳዊን ተሞኻሊዩ ገንዘብ ተዘይ ከፊለኩም ብምባል ውሽጣዊ ኣካላት መንእሰያት ደቂ ኤርትራ ብጎዲም ካራ ተጠቢሑ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዓለም ዝሽየጠሉ ዘሎ ህሞት፤ ስርዓት ህግደፍ በዚ ከይረወየ ድግድጊት ታዓጢቑ ቱታ ብምባል ህዝቢ ኤርትራ ኣጽኒቱ፡ ሃገር ኣብ ወተሃደራውን ጸጥታውን ዘይምርግጋእን ሸሚሙ ፣ ንቑጠባው ብርሰት ኣብ ሐደጋ ኣንጠልጢሉላ ዘሎ ህሞት፤ ንሕና ኤርትራውያን መንእሰያት ግዚኡ ይውዓል ይሕደር ዘየብል፡ ህጹጽነቱ ብዕቱብ ብምግንዛብ ወላ ሓንቲ ካልኢት እውን ትኹን ክትደናጙ ዘየፍ ቕድ ምኻኑ  ምርዳእ፡ ኣብ ሃገረ ኣየርላንድ ንነብር ግዱሳት  ኤርትራውያን ነዚ ተመስሪቱ ዘሎ “ስመረት ኤርትራውያን መንሰያት ንድሕነት ሃገር” ቅዱስ ዕላማ፡ጥርናፈና ውሕስነትን ድሕነትን ህዝብና ንምርግጋጽ ዘሎዎ ዕዙዝ ተኽእሎ ብምርዳእ፡ ምሉእ ብምሉእ ተቐቢልናዮን ስምና ብእኡ ክንስመን ኣካሉ ኮይና በቲ ናይ ማሕበር ቑዋማት ተቐይድና ግቡእና ክንፍጽምን መሰላትና ክንሓትትን፤ እዛ ተመሪጻ ዘላ ላዕለዋይ መሪሕነት መምሪሒታት ከም ኣካላ ወሲዳ ናይ ሰራሕ መደባታ በቲ ምእኩል ኣሰራርሓኣ ክትሰደልናን፤ ንሕና ድማ ንትግባራውነቱ ድልውነትና ነረጋግጽ።

ነዚ ኣጋጣሚ እውን ብምጥቓም ስቓይ ህዝብና ምእንቲ ኸነሕጽሮ ኣብ መላእ ዓለም ዘለኹም መንእሰያት ደቒ ኤርትራ ነዚ ኤርትራዊ ጥርነናፈ እዚ ክትሓብርዎን፤ ልዕሊ ኩሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ ሰዓቱ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ብምባል ብትሕትና ንጽውዕ።

ራሕዋ ንውጽዕ ህዝብና
ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሓነት ሃገር ኣብ ኣየርላንድ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7516

Posted by on Aug 14 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net