ጽምብል ባሕቲ መስከረም ኣብ ከተማ ማንቸስተር ዓዲ እንግሊዝ

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን፣ተቐማጦ ዓዲ እንግሊዝ ። ሓድነት መንእሰያት ኤርትራዉያን ንዲሞክራስያዊ ለዉጢ ዓባይ ማንቸስተር ምስ ዓለምለኻዊ
ምንቅስቃስ መንእሰያት ንለዉጢ ጨንፈር ሊድስን ከባቢኣን
  ብምትሕብባር ታሪኻዊት ዕለት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ኣብ ትሕቲ ‘ኩሉ ዓቕምና ንድሕነት ህዝብና’ ዝብል ቴማ ንምብዓል ተዳልዩ ዘሎ ፍሉይ መደብ ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።

ኣብዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ፣ ብዛብኣ ሰብኣዊ ግህስት ዜጋታትና ብኣሃዝን ስእልን ዝተሰነየ ሓበሬታ ንምቕራብ ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ግብረ ሰናያዊ ንጥፈታትን ካብ ዝሳተፉ ዜጋታት፣ ዶክ ኣልጋነሽ ፍስሃ ጋንዲ፣ ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩምን: ኣቶ ያሲን መሓመድ ዓብደላ ክሳተፉ ምዃኖም ንሕብር።

ከምኡን ንመደብ ምዝንጋዕ ብዝምልከት ህቡባት ድምጻዉያን ሑሴን ማሓመድዓሊ፡ ዘርእሰናይ ግርማይን(ተዛረብ) መንእሰይ ዳንኤልን ካልኦትን ተዳልዮምልኩም ኣለዉ። ብተወሳኺ ገጠምትን ተዋሳእትን ካልኦት ስነጥበባዉያንን ክሳተፉ ምዃኖም ብሓጎስ ነበስር።

ኣብ’ዚ ፉሉይ ዕለት ‘ዚ ምሳና ሓቢርኩም ክተምስዩ ብኣኽብሮት ንዕድመኩም።

ዝካየደሉ ኣድራሻን ዕለትን ሰዓትን ከምዚ ዝስዕብ ይኸዉን፣-

MCCR, 141-143
PRINCESS ROAD,

MOSS SIDE,
MANCHESTER, M14 4RE (near Red Sea Cafe)

ዕለት ቀዳም 01/ 09/ 2012

ሰዓታት ካብ 3 ድ.ቀ ክሳብ ወጋሕታ።

ብዳሓን ምጹ።

ኣዳላዊት ሽማግለ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7522

Posted by on Aug 16 2012 Filed under News, Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net