ዕሌታት ጾመ ራማዳን ( 3 – 4 ) ድህሰሳ ኤርትራዊ ሓንጎል

ብዑመር ጃብር ዑመር

ብዝዕባ ሓንጎል ኤርትራዊያን ዝሓዘሎ ነገራት ኣልዕልና  (components of mind ) ምስ ተዛረብና ፡ ኣካባቢ ፡ ባህሊሃይማኖት ፡ከምኡ እውን ኣብ  ፖለቲካዊን ሕብረተ ሰብኣዊን ቁጠባዊን ህይወቱ ንዘጋጥሙዎ  ብድሆታት ንምግጣም ዝደለቦ ተሞክሮታት ከም  ዘጠቃልል ጠቅስና ነርና።

እዚ ጉዳይ ብሓደ ለይትን ማዓልትን ዝፍጸም ነገር ዘይኮነስ ንነዊሕ ግዜ ብዘገምታዊ ኣገባብ እናተዋህለለ ኣብ መደምደምታ ናይ ብስለት ደረጃ ምስ በጸሔ ሓባራዊ ናይ መላእ ህዝቢ ተዘክሮይፈጥር ( collective memory ) (( الذاكرة الجمعية.

ንሓባራዊ ተዘክሮ ንምዕማቅን ንምምዕባልን ካልኣይ ድማ ንምብታንንንምድኻምን  ዝሕግዝ ረቋሕታት ድማ ኣሎ።

ነዚ ተዘክሮታት እዚ ካብ ዘማዕብሉን ለጠቅ ዘብሉን ኣብነታት፡- ጽምብል ባዓል ናጽነትን ህዝባዊ ውከሳን (ረፈረንዶምን)ብሃገር ደረጃ ዝተራእየ ሓጎስን ክኾውን ከሎ እቲ ካልኣይ ግናይ ገጹ ምልካዊ ስርዓት (ዲክታቶሪያዊነት) ነጊሱ  ፡ሰብ ንስደት ተሳጥሑ  ፡ ምልሕላሕ ሕብረተሰብኣዊ ምትእስሳር ተራእዩ ፡ ኤርትራዊያን ተመቃቂሎም ክሳብ  ሓደ ሸነኽ ናብ ናይ ካልኣይ ሸነኽ ሓዘን ይኹን ሓጎስ ዘይምክፋል መጸ ፡ ብህልውናኡ እውን ዘይምግዳስ ። ገሊኡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብሞቁሕ ተኣስሩ ምንቅስቃስ ስኢኑ ኣፉ ተዓብሱ ፡ ገሊኡ ድማ ኣብ ወጻኢ ተበታቲኑ ቅሳነትን ሰላምን መንነቱን ንምድላይ ኮለል ምባልን እዩ።      

ተቃውሞ ኤርትራ ድማ ኣብዚ እዋን ኣብ ሰለስተ ማእዝን ዘሎዎ ሓደገኛ ሽግር ኣቲያ ትርከብ። ካብዚ ሓደገኛ ማእዝናት እዚ እንተዘይድሒና ድማ ንዘይተወሰኔ እዋን ኣብ ባዶ ክሊ ኮለል ምባላ ዘይተሪፍ እዩ ንሱ ድማ፡-

  1. ቡኽረት ደገፍ ህዝብን፡ ህዝቢ ምስ ምንቅስቃስን መደባትን ተቃውሞ ተኣሳስሩ ዘይምንጣፍን።

 ህዝቢ ፍርቁ ታዓዛቢ ፍርቁ ድማ ተቀባሊ ጥራሕ ዘይይዋሳእ ፡ ተጸባይ ተበግሶታት ዘይብሉ ክኾውን ከሎ ኩሎም ጭቡጥ ፍጻሜታት ንምርኣይ፡ ድሕሪዚኸ  እንታይ ኣሎ? እንዳበሉ ዝሓቱ እዮም ።ሓላፍነት ናይ ከምዚ ዝኣምሰለ ኩነታት ድማ ኩሉ ወገናት ብሙሉኡ እዩ ዝስከሞ።ማለት መሪሕነታት ተቃወምትን ሓፋሽ ህዝብን ብማዕረ ይስከሙዎ። እዚ ተርእዮ ድማ መንጸብረቅታ ናይቲ ኣብ ኩሉ ዓለም ፋሕ ኢሎም  ዘሎዉ ኤርትራዊያን ኣቲዮምዎ ዘሎዉ ናይ ምብትታንን ምርሕሓቅን ስእሊ የሪኢ። እንተዘይኮይኑ ኩሉ ኣድላይ መደባት ማለት ቻርተር፡ሓባሪ ካርታ (Road Map ): ኣገባብ ኣሰራረሓ ፡ ስርዓት ድሕሪ ምውዳቁ ዝፍጸም ነገራት፡ ማለት መደባት መሰጋገሪ መድረኽ ወዘተ. ብሩህን ስምምዕ ዝተገብረሉን ካብ ኮነ  እቲ ሽግር ዳኣ ኣበይ ኣሎ ? እዚ ሕቶ ናብቲ ካልእይ ማእዝን ይወስደና ።

  1. መሪሕነት – ጉዳይ መሪሕነት ኣብ ምዕራፍ ሓዲሽ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ካብ መድረኽ መሰል ርእሰ ውሳኔ ኣትሒዝካ ፡ መድረኽ ሓርነታዊ ቃልስን ክሳብ ምቋም ሃገረ ኤርትራን ሽግር ኮይኑ ዘሎ  ጉዳይ እዩ። ኤርትራዊያን ተወሃህዶም ኣብ ሓንቲ ወካልቶም ዝኾነት መሪሕነት ክሰማመዑ ኣይካኣሉን ማለት ድዩ ? እቲ ሽግርከ ኣብ ኣገባብ ናይቲ ምርጫ ድዩ ዘሎ ወይስ ኣብ መዔቀንታት ናይቲ ዝምረጽ መሪሕነት ምስ ዝባሃል ፡  እቲ ጠንቂ ኣብ ኮታ (Quotas) እዩ  ዝብል ሸነኽ እውን ኣሎ ።እንተኾነ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዓለም ኩሉ ኣብ ዝተፈላለየ ዓይነታት ኮታ ተሞርክሱ ዝጓዓዝ ዘሎ ዓለም እዩ። ከምቲ ዝፍለጥ ድማ ኮታ ብዘገድስ ፡ ኣብ ከርሲ ነገር ናይቲ ሽግር ከይተገደስካ ኣብ ጽፍሕታት ንዘሎ ሽግራት ጥራሕ ዘህድእ፡     ዘይተጸንዔ ዓይነት ኮታ ሓደ እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ወገናት ሕብረተሰብን ብዙሕነቱን ዘሎ ዝሓሸን ሓያልን  ጎኒታትን ዘድሃበ ብስነፍልጠታዊ ኣገባብ ዝካየድ ናይ ኮታ ምርጫ እዩ።ይኹን እምበር እዚ ዓይነት ኣመራረጻ ብቀዳምነት ብሕድሕድ ህላወ ምእማንን ንባሓትነትን ቅንጸላን ምውጋድን ይሓቲት ።
  2. ሳልሳይ ማእዝን ናይቲ ሽግር ተመሓዘውቲ ወገናት( Alliance ) ዘይምርካብ እዩ ።ንምሳሌ ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ዝተወለዓ ስውራታት ካብ ወጻኢ ወይ ኣብ  ውሽጢ ሓያል ማሓዛ (ደጋፊ) ረኺበን። ምስሪን ቱኒዝን ናይ ውሽጢ ማሓዛ ፡ሰራዊት ረኺበን ። ሊቢያን የመንን ድማ ናይ ወጻኢ ማሓዛ ረኺበን እየን ።

ናይ ኤርትራ ተቃውሞ ድማ ብዘይካ ሓደ ማሓዛ ማለት ኢትዮጵያ ካልእ የሎን ። እዚ ሓደ ማሓዛ እውን እንተኾነ ኤርትራዊያን ዝፈላለዩሉ ጉዳይ ኮይኑ ፡ ገሊኡ ኣብ ንጽህነት ናይዚ ማሓዛ ዝጠራጠር ኮይኑ ምስኡ ብጥንቁቅ ዝጓዓዝ እዩ።ገሊኡ ድማ ናይ ምእባይ ክእለት ስሌዘይብሉ ንኩሉ ተበግሶታት ኣሜን ኢሉ ዝቅበል እዩ ።

መዋጽኦ ናይዚ ጉዳይ ድማ እዚ ዝምድና ተስተኻኽሉ ጥዑይ ንጹር መሰረት ረጊጹ ሕድሕዳዊ እምነት ዘዕዝዝ፡ ንድልየት ክልቲኡ ወገናት ማለት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘረጋግጽ መገዲ ምምስራቱ ይድለ።ምናልባሽ ነዚ ዝምድና እዚ ንምዕራይ ኣብዚ መዳይ  “ብኤርትራዊ መርበብ ንሃገራዊ ዘተ” ዝተወስደ ተበግሶ ነዚ ኣንፈት ዝሓዘ ነሩ ክባሃል ይካኣል።ማለት ንናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር  ኢትዮጵያ  መዘክር ተዋህቡ ……ብተወሳኺ ኣብ ሎንዶን ምስ ኢምባሲ ናይ ኢትዮጵያ ኣኼባ ተኻይዱ ።እዚ ርክብ ድሕሪቲ ናይ ምሁራት ኤርትራዊያን ኣኼባ ምክያዱ እዩ ነሩ ።እዞም ወከልቲ ናይዚ መርበብ ድማ ጉዳይ ዝምድና ተቃወምቲ ኤርትራን  ኢትዮጵያን ማእከልነት ስእኑ ዘሻቅል ጉዳይ ኮይኑ ምህላዉ ክጠቅሱ ከለዉ፡ እቲ ኢምባሲ ብወገኑ ተደላይነት  ናይዚ ጉዳይ ኣመልክቱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቅየደሉ ጉዳይ ምዃኑ ኣረጋግጹ ነሩ ።ይኹን እምበር ክልተ ወርሒ ከይሓለፈ ብሃንደበት ናይ መንእሰያት ጉባኤ ተፈጽሙ!?   

ስለዚ እንታይ ይገበር እንታይከ እዩ እቲ ፍታሕ ንዝብል ሕቶ ንምምላሽ ፡ ኩሉ ዝሳተፎ ሓዲሽ ተበግሶ ምውሳድ የድሊ ። እዚ ተበግሶ ድማ ንግዳማዊ ተርእዮታት ጥራሕ ዝፍውስ ዘይኮነስ ኣብ ብድሆታት ናይቲ ነገር ረግጹ ከርሲ ነገሩ ዝፍውስ ክኾውን ኣለዎ ።

ስሌዚ ዝድለ ዘሎ ኣገዳሲ ጭቡጥ ሕቶታት ኣቅሪቡ ዝምልሽ ተበግሶ እዩ።

  1. ነቲ ታዓዛብን ተጠራጣርን ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ከመይ ገርካ ተንቀሳቅሶን ንጡፍ ትገብሮን ?
  2. ነተን ብዝሔን ልዕሊ ሰላሳ ኮይነን ዘሎዋ ሰልፊታት፡ ተመሳሳሊ መደብ ዕዮን ተመሳሳሊ ኣካላትን ሕዘን ዘሎዋ ኣብ ሓደ ግንባራት፡ ምትእስሳር  تضامن  ፡ ወይ ክዳን ጠርኒፍካ ኣብ መወዳእታ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ምትእኽካባት ክትገብሮም ይካኣልዶ ? ከምቲ ኣብ እዋን መሰል ርእሰ ውሳኔ ዝተራእየ እተን ናይ ብሔራት ውድባት እውን ኣብዚ ዓቢ ስሪሪዓት ምስ ድልየታተን ዝሰማማዕ ቦታ ወይ መደብ ዕዮ ክረኽባ ይኽእላ እየን ።
  3. ተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ  ስራሓተን ንምስፋሕን ንምንህሃርን ዝጥቀማሉ ሓዲሽ ኣፍደገታት ክርከብ ይካኣልዶ ብፍላይ ድማ ኣብ ቦታታት ሓደሽቲ ተፈጥረን ዘሎዋ  ስውራታት ሃገራት ዓረብ ?

ኩሉ እዚ ጉዳያት ዝካኣል እዩ…… ንክፍጸም ድማ ድልየትን ቁኑዕ ኣረኣኣያን ስነፍልጠታዊ ቅዲን……..ነፍሰ ታኣማምነትን ሃልዩካ ንዝሓለፈ ጅግንነታዊ ታሪኽ እናዘከርካ ኣብ ግድነታዊ መጻኢዓወት ታኣማምንካ  ምምራሽ እዩ…………………. 

 

ዑመር ጃብር ዑመር  

ምልክታ፡

እዚ ጽሑፍ ብመምህር ዑመር ጃብር ብዓረብኛ ኣብ መርበብ ፋራጃት ኣብዚ ወርሒ ራማዳኒያት ( ዕሌታት ጾመ ራማዳን) ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ፡ ናብ ትግርኛ ብቤት ጽሕፈት  ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝተቶርጎመ ክኾውን ከሎ፡ መምህር ዑመር ጃብር ነዚ ጽሑፍ ኣብ ዝሓለፈ ምስቲ ኣተሓሳሰባ ኤርትራዊያን፣ ጉባኤ መንእሰያት፣ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ወዘተ. ብምጥቃስ ዘውጸኦ ጽሑፋቱ ኣመልክቱ ዝጻሓፎ ስሌ ዝኾነ ፡ብዛዕባዚ ጉዳያት  ንዝጻሓፉ ካልኦት ባእታታት ዝሃቦ መልስታት ወይ ርእይቶታት ዘጠቃለለ ኣካል ናይዚ ጽሑፍ ዝኾነ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ ከይተቶርጎመ ብምትራፉ ይቅሬታ እንዳ ሓተትና እዚ ክፋል ናይ ጽሑፉ ዝሓዘሎ ርእይቶታት ንኣንበብቲ ጠቃሚ ክኾውን ንምኔ ።

ቤ/ጽ/ዜናን ባህልን ግሃድኤ

        17/8/2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7529

Posted by on Aug 17 2012 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net