ጨንፈር ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ሎንደን ኦንታርዮ ተመስሪቱ

ኤርትራውያን መንእሰያት ሎንደን ኦንታርዮ ኣንጻር ህግደፍ ዘካይድዎ ቃልሲ ብዝተወደበ መንገዲ ንምክያድ፡ ጨንፈር ማሕበር ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ብ19 ነሓሰ ኣብ ከተምኦም መስሪቶም።

ኣብቲ ናይ ምምስራት ኣጋጣሚ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ – ሎንደን ኦንታርዮ (ስ.ኤ.መ.ለ.-ሎንደን)፡ ኣቶ ይትባረኽ ገብረትንሳአ ነቲ ጽምብል ብዝክረ-ሰማእታት ከፊትዎ። ቀጺሉ መንእሰይ ዮሴፍ ተኽለብርሃን ንራኢን ዕላማን ስ.ኤ.መ.ለ.  ዝገልጽ ጽሑፍ ብምንባብ ተሳተፍቲ ብዛዕባ ስ.ኤ.መ.ለ. ዘለዎም ኣፍልጦ ኣዕብይዎ።

ካብቶም ነቶም መንእሰያት ንምትብባዕ ዝተጸንበሩ ሓርበኛታት ተቓለስቲ ሓደ ተጋዳላይ ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ ኔሩ። ናይ ቃልሲ መንፈስ መንእሰያት ዝስሕል መግለጺ ከኣ ኣስሚዑ። ኣቶ ረድኢ ኣብ መግለጺኡ፡ መንእሰያት ኣብቲ እንጻር መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ብስለትን ምስትውዓልን ዝተሓወሶ ኽኽውን ብምሕባር፡ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ዝጥቀመሉ  ኣጉል ናይ ሃይማኖት፡ ዓዲ ምክፍፋል ክነቕሕሉን ክብድህዎን ኣዘኻኺሩ።

መንእሰይ ተኽልያ ኣርኣያ ብወገኑ፡ እዚ ሎሚ ተመስሪቱ  ዘሎ ማሕበር ኣብ ከተማ ሎንዶን ጥራይ  ከይተሓጽረ፡ ኣብ ኩለን ከተማታት ኦንታርዮን ምሉእ ካናዳን ኣስፋሕፊሑ ናይ ሓባር ርክባት ብምግባር  ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ቃልሲ ብዝለዓለ ንምሕያሉ ክሰርሑ ምዃኖም ንተሳተፍቲ ሓቢሩ።

ሓደ ካብቶም መንእሰያት፡ መንእሰይ ቢንያም ውልቃዊ ተመኩርኡ ንተሳተፍቲ ኣካፊሉ። መንእሰይ ቢንያም ኣብ ኤርትራ ከሎ ብሰንኪ ዝተኸተሎ እምነት ዘጋጠሞ ማእሰርትን ስቕያትን ንተሳተፍቲ ብምክፋል፡ “ኣነ ኣብ ኤርትራ ከሎኹ’የ ይኣክል ክብል ጀሚረ” ኢሉ። ቀጺሉ ነቲ ኣብ ዓሰብ ን8 ኣዋርሕ ኣብ ኮንተይነር ተኣሲሩ ዘሕልፎን ብስርዓት ህግደፍ ዝወረዶ ግፍዕታትን ብዝርዝር ብምግላጽ ኣብ ስ.ኤ.መ.ለ. ዘለዎ ኣኽብሮትን ተወፋይነትን ገሊጹ።

ስ.ኤ.መ.ለ. – ሎንደን-ኦንታርዮ ነቲ ሕጉስ ናይ ምትእኽኻብ ኣጋጣሚ ብምሳሕን ፌስታን ጸምቢልዎ ውዒሉ።   ኣብ ሎንደን ኦንታርዮ ዝቕመጡ ኤርትራውያን መንእሰያት ናብዚ ማሕበር ክጽምበሩ ምስ ዝደልዩ በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ             226-919-4257       ወይ            519-852-1814       ተወከሱ።

ዮናስ ተስፋማርያም /ዮሴፍ ተኽለብርሃን/

ስምረት ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ-ሎንደን ኦንታርዮ-ካናዳ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7567

Posted by on Aug 21 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net