ናይ ሓዘን መልእኽቲ

ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ሪፑፕሊክ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ዜናዊ ብምዕራፉ ዝተሰማዓና  መሪር ሓዘን  እናገለጽና ንስድራቤቱን ፤ ፈተውቱን ፤ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል ።

ወዲ ሰብ ብሂወት እናሃለው ዝሰርሖ ታሪኽ ፡ ድሕሪ ሞቱ ህያው ኮይኑ ስለ ዝዝከር  ፡ ኣቶ መለስ ውን ብሂወት ኣብዘይሃለወሉ እዋን ፡ ከም ህያው ኮይኑ ዘዘክሮ ዓቢ ታሪኽን ብዙሕ ዘኹርዕ ስምብራትን ገዲፉ እዩ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልየ። ኣቶ መለስ ኣብ ኢትዮጵያ መሰል ዜጋታት ኣብ ምርግጋጽን
፤ ሰላምን ደሞክራሲን ኣብ ምስፋንን ፡ ንዞባዊን ዓለማዊን ዝምልከቱ ዓበይቲ ጉዳያት ኣብ ምምኻርን ኣብ ምፍታሕን ዓቢ ተራ ዝተጻወተ በሊሕ መራሒ እዩ ነይሩ ።

ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ውን ፡ ፈለማ ኣብ ግዜ ረፈረንደም ሰላማዊ ፤ ተባዕ መርገጺ ብምውሳድ ኤርትራ ነብሳ ዝኸኣለት ሃገር ክትከውን  እዩ ደጊፉ። ቐጺሉ ውን ኣብ ኤርትራ ሰላም ንምስፋን ዝኣክል፡ደምበ ተቃውሞ ኤርትራ ኣብ ምድጋፍን ምሕያልን ዓቢ ተራ ብምጽዋቱ ብኤርትራውያን ኣድናቖትን ተፋታውነትን ዘትረፈ ደላይ ሰላም መራሒ ምንባሩ እናገለጽና ፡ ደጊምና ንቤተሰቡን ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል ።

 

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

21/8/2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7583

Posted by on Aug 23 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net