News

ናይ ሓዘን መልእኽቲ

ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ሪፑፕሊክ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ዜናዊ ብምዕራፉ ዝተሰማዓና  መሪር ሓዘን  እናገለጽና ንስድራቤቱን ፤ ፈተውቱን ፤ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል ።

ወዲ ሰብ ብሂወት እናሃለው ዝሰርሖ ታሪኽ ፡ ድሕሪ ሞቱ ህያው ኮይኑ ስለ ዝዝከር  ፡ ኣቶ መለስ ውን ብሂወት ኣብዘይሃለወሉ እዋን ፡ ከም ህያው ኮይኑ ዘዘክሮ ዓቢ ታሪኽን ብዙሕ ዘኹርዕ ስምብራትን ገዲፉ እዩ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልየ። ኣቶ መለስ ኣብ ኢትዮጵያ መሰል ዜጋታት ኣብ ምርግጋጽን
፤ ሰላምን ደሞክራሲን ኣብ ምስፋንን ፡ ንዞባዊን ዓለማዊን ዝምልከቱ ዓበይቲ ጉዳያት ኣብ ምምኻርን ኣብ ምፍታሕን ዓቢ ተራ ዝተጻወተ በሊሕ መራሒ እዩ ነይሩ ።

ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ውን ፡ ፈለማ ኣብ ግዜ ረፈረንደም ሰላማዊ ፤ ተባዕ መርገጺ ብምውሳድ ኤርትራ ነብሳ ዝኸኣለት ሃገር ክትከውን  እዩ ደጊፉ። ቐጺሉ ውን ኣብ ኤርትራ ሰላም ንምስፋን ዝኣክል፡ደምበ ተቃውሞ ኤርትራ ኣብ ምድጋፍን ምሕያልን ዓቢ ተራ ብምጽዋቱ ብኤርትራውያን ኣድናቖትን ተፋታውነትን ዘትረፈ ደላይ ሰላም መራሒ ምንባሩ እናገለጽና ፡ ደጊምና ንቤተሰቡን ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል ።

 

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

21/8/2012

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top