News

ብምክንያት ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ናይ ሓዘን መግለጺ

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት

ሃገራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክርሲያዊ ለውጢ

ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ንዝሓለፈ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ብሕማም ምኽንያት ኣብ ሆስፒታል ክሕከም ድሕሪ ምጽናሕ ትማሊ ለይቲ ካብዚ ዓለም ብሞት ብምፍላዩ ዝተሰመዓና ሓዘን ንገልጽ።

ሞት ቀዳማይ
ሚኒስተር መለስ ዜናዊ
ንኢትዮጵያውያን ጥራሕ ዘይኮነስ
ኣብ ኩሉ
እቲ  ደላይ
ሰላምን ብልጽግናን ኣፍሪቃዊ
እውን ብቐሊሉ ዝረኤ
ኣይኮነን

ቀዳማይ ሚኒስተር
መለስ ዜናዊ እቲ
ንሱ ዝመርሖም
ውድባት ህወሓትን ኢህወደግን
ኣብ መሰል
ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ
ኤርትራ ነቕ ዘይብል
ቅኑዕ ምርገጽ ክሕዙ
ዝነበሮ ታሪኻዊ ተራ
ብኣኽብሮት ንዝክሮ። ኣብ
መንጎ መንግስታት ናይ
ክልቲኡ ሃገራት –
ኢትዮጵያን ኤርትራን –
ዝነበረ ጎንጽታት ብዘየገድስ
ኣብ መንጎ
ህዝብታት ናይ ክልቲኡ
ሃገራት ዘሎ ሕውነታዊ
ዝምድና ናብ ንቡር
ቦትኡ ክምለስ በብእዋኑ
ከተኣታትዎ ዝጸንሔ ቅኑዕ
ፖሊሲታት ብኣድናቖት ንገልጽ።

ኢትዮጵያ ብመሪሕነት
ቀናማይ ሚንስተር መለስ
ዜናዊ ከተረጋግጾ ዝጸንሐት
ቅልጡፍ  ኩሉ
መዳያዊ ምዕባሌ ኣብ
ኣፍሪቃ ካብተን ከም
ኣብነት ክግለጻ ዝኽኣላ
ሃገራት ኣብ ዓለም
ድማ ዝጸንሔ
ናይ ድኽነት
ተምሳል ኣናቐየረት ከምዝመጸት
ብኣንክሮ ክንዕዘቦ ዝጸናሕና
እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር
ዘተኣታተዎ ቅኑዕ ፖሊሲታት
በቲ ዝገደፎ
ዱልዱል ፓርቲ ኢህወደግ
ክቕጽል ከምዝኽእል ዘይንጠራጠር
እኳ እንተኾንና
ኣብዚ እዋን እዚ
ወሪዱ ዘሎ ከቢድ
ሓዘን ብቀሊሉ ዝረኤ
ኣይኮነን እሞ ናይ
ኩሉ ደላይ
ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን
ኢትዮጵያዊ ተኻፈልቲ ሓዘን
ምዃንና ንገልጽ።

በዚ ኣጋጣሚ
ንመዋቲ መንግስተ ሰማያት
ንስድራቤት ድማ ጽንዓት
ይሃብኩም ንብል።

ሕውነት ህዝብታት
ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዘልኣለም
ይንበር

ፈጻሚ ቤት
ጽሕፈት

ኤርትራዊ ሃገራዊ
ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

21
ነሓሰ 2012

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top