ናይ ሓዘን መግለጺ

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት  ንድሕነት ሃገር

 ንኢትዮጵያ ን21 ዓመታት ብብቕዓት ዝመርሐን እታ ሃገር መሰረታዊ ናይ ደሞክራሲን ቁጠባን ዕብየት ንኸተመዝግብ ዘኽኣለን ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር
መለስ ዜናዊ ብሕማም ምኽንያት ብ20 ነሓሰ 2012 ካብዚ ዓለም ብሞት ከም ዝተፈልየ ብማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ምስ ተፈነወ ዝተሰምዓና ስንባደን ሓዘንን ክንገልጾ ቃላት እሓጽረና።

ሞት ባህርያዊ እዩ። ንዘልኣለም ዘዘክር ህያዉ ታሪኽ ሰሪሕካ ምሕላፍ ግን ከም ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዝኣመሰሉ ዉሑዳት ብርቂ ሰባት ጥራይ ዝረኽብዎ ጸጋ ዘልኣለም እዩ። ይኹን እምበር፡ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ፡ ከም ኩሉ ፍጡር ወዲ ኣዳም ካብ ሕማምን ሞትን ሓራ ክኸዉን ዘይክእል’ኳ እንተነበረ፡ ብመንጽር’ቲ ዝነበሮ ንነዊሕ ዝጠመተ ራእይ ብዙሕ ከበርክተሉ ኣብ ዝኽእል ዕድመ ብምኹላፉ፡ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነት ኣፍሪቃ ብዓባያ’ዉን ዓቢ ናይ ለዉጢ ሃዋርያኣ ስኢና እያ።

ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ፡ ኣብ ዝሓለፈ 21 ዓመታት፡ ኩሉ ዓቕሙን ፍልጠቱን ኣንጻር ድኽነትን ድሕረትን ብምዉዓል፡ ኢትዮጵያ ቅድሚኡ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ባና ልምዓትን ደሞክራሲን ንኽትርኢ ዘብቅዐ ከምኡ’ዉን ንራኢታቱ ናብ ግብሪ ናይ ምትርጓም ዓቕሚ ዝዉንን መንግስቲ ብምህናጽ፡ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊነትን ኣብ ዓለማዊ መድረኻት በሪኾም ከም ዝረኣዩ ኣብ ምግባር ዝተዓወተ ኣብነታዊ ኣፍሪቃዊ መራሒ ምንባሩ ግብሪ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።

ልዕሊ ኹሉ ግና ማዕርነት ህዝብታት ዘዉሕስ፣ ሰብኣዊን ደሞክራስያዊን መሰላት ዘረጋግጽ፣ ንሰናይ ምሕደራን ምምሕያሽ መነባብሮ ሚልዮናት
ኢትዮጵያዊን ድኻታት ዝተወፈየን ቅዋማዊ ስርዓት ንኽትከል ሳላ ዝጸዓረ፡ እነሆ ሎሚ ንትልምታቱ ኣብ መፈጸምትኡ ዘብጽሕ ዘተኣማምን ተካኢ ወለዶ መሪሕነት ተፈጢሩ ንኢትዮጵያ ኣብ ምምራሕ ይርከብ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ፡ ካብቲ ግዜ ንእስነቱ ዘብለየሉ ዘመነ ገድሊ ጀሚሩ ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ ንመሰል ርእሰ-ዉሳነ ህዝቢ ኤርትራ ዝተማጐተን ኢትዮጵያ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ክትነብር ከም እትኽእል ንህዝብታት ኢትዮጵያ ዝመሃረን ተባዕ መራሒ እዩ ነይሩ። ዘረባ ሃፋፊ ቀለም ተራፊ ከም ዝበሃል ቀዳማይ ሚኒስተር መለስን ንሱ ዝመርሖ ህወሓት/ኢህወደግን ብዘረባ ዘይኮነ መጻኢ ወለዶታት ክልቲአን ሃገራት  ኣንቢቦም ዝዉከሱዎም መጽሓፍቲ ብምጽሓፍ እዮም ንሕጋዉነትን ፍትሓዉነትን ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ መስኪሮም። ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተርን ኢህወደግን ኣብቲ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ደጋፊ ንበይኑ ደዉ ኢሉሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ጎኑ ብምዃን ናይ ታሪኽ ወገንነቶም ኣመስኪሮም እዮም። በዚ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ንዘልኣለም ኣብ ታሪኽ ክዝክሮም ክነብር’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊን ብሱል መሪሕነቱን  ግን ኣብ ቀዳማይ ታሪኽ እንዝክሮ ዉዕለት ጥራይ ኣይኮነን ፈጺሙ። ሕጂ’ዉን ንኣሕዋት ኤርትራዉያን ኣብ መሬቱ ብምእንጋድ ታሪኽ ይደግም ኣሎ። ካብ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ጀሚሩ ኢትዮጵያ መዕቈቢት ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራዊያን ስደተኛታትን ከም መንእሰያት ኣብ ዓድና ዝተነፍገና ዓንጋሊት ዕድላት ትምህርትን ኮይና ኣላ።

እቲ ብሰንኪ ምልካዊ ኣገዛዝኣ ኣብ ሃገሩ ኣስተርሕዩ ክነብር ዘይተዓደለ ህዝቢ ኤርትራ  ሃጽ ኢሉ ዝስደደለን ሃገራት ብዙሓት እኳ እንተኾና ኣብ ሃገሩ ዘየስተማቕሮ ናጽነት ዘስተማቕረላን ኣብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ዘይረኽቦ ክንክን ዝረኽበላን ሃገር ግን ኢትዮጵያ እያ።

እዚ ክንብል ከለና እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዝተጀመረ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተመርኮሰ ሰናይ ጉርብትና ክልቲኡ ህዝብታት ናብ ዝነበሮ ናይ ምምላስ ጻዕሪ ስልጣን ተረኪቡ ዘሎ ሓድሽ መሪሕነት ክቕጽሎ ምዃኑ ጥርጥር የብልናን። እቲ ምንታይ፡ ራእይ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ራእይ ኢህወደግን ራእይ መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያን ስለዝኾነ።

 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ስምረት  ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ፡፡ ንኽቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ከምኡውን ንስድራቤቶም፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ፈተውትን ጽንዓት ይሃብኩም እናበልና ናይ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃንና ንገልጽ።

 

 

ስምረት  ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር

25 ነሓሰ 2012

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7597

Posted by on Aug 25 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net