ጋዜጣዊ መግለጺ

ኣብ መበል  19 ጽንብል ነጻነት ኤርትራ፡ ማሕበር ዜጋታት ንዲሞክራስያዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ-ስድሪ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዮሃና እናበለት በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኸኣ ንመሪሕነት ህግደፍ እዞም ዝስዕቡ ጠለባት ተቕርብ፡

  1. ናይ ፖለቲካን ካልኦት ናይ ሕሊና እሱራት ክፍትሑ ወይከኣ ብዘይ ወዓል ሕደር ንፍርዲ ክቐርቡ
  2. ንስድራቤታቶምን ሕጋውያን ወከልቶምን፡ ከምኡውን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾና ኣህጉራውያን ማሕበራት ክበጽሑዎምን ኩነታቶም ከረጋግጹ ከፍቅድ
  3. ዕላምኡ ኣብ ቅዋም ዝተሞርከሰ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ምቛም ዝኾነ ኣድላይ ፖለቲካዊ ምምሕያሽ ንምትእትታው ግብራዊ ስጉምትታት ክወስድ

ከምኡውን ንሕዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ነቶም ኣብ ስደት ዝርከቡ ኸኣ ብፍላይ፡ እሱራት ክፍትሑን ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ክምስረትን ዓው ኢሉ ክሓትት፡ ንምእንቲዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ህግደፍ ከኣ ኣድላይ ጸቕጢ ከካይድ ንጽውዕ። ኣባላት ማሕበረ ኮማት ኤርትራ ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ንምእንቲ መሰላቱ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊሉ ዘረጋገጾ መዓልቲ ነጻነት፡ ካብ መሪሕነት ህግደፍ ተሓታትነት ምጥላብ ልዑል ሃገራዊ ግዴታ ከም ዝኾነ ነዘኻኽር።

ፈጻመት ሽማግለ ስድሪ

17 ግንቦት  2010

CDRiEritrea@googlemail.com

www.cdrie.net

Short URL: https://english.farajat.net/?p=762

Posted by on May 18 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net