News

ብምኽንያት ርሑስ በዓል ቁዱስ ዮውሃንስ ብፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ዝወጸ ናይ ዮሃና መግለጺ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብምኽንያት ርሑስ በዓል ቁዱስ ዮውሃንስ ብሓፈሻ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ብፍላይ፡ ንኣመንቲ ክርስትና እንቋዕ ናብዚ ርሑስ በዓል ቁዱስ ዮውሃንስ ኣብጸሓኩም እናበለ ዮሃናኡ ክገልጽ እንከሎ ልዕሉ ሓጎስ ይስመዖ።

ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ብምኽነያት ርሑስ ባዓል ቁዱስ ዮውሃንስ’ዚ  ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽቲ እንተሎ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጸረ ቶቲሊታርያዊ ሰርዓት ህግደፍ ተናግፉ ኣብ ጎደና ሰላምን ደሞክራስን ምዕባለን ክምርሽ ካብ ዝግብሮ ተጋድሎ ሓደ ምእንቲ ሃይማኖታዊ መሰሉ ንምርገጋጽ ምዃኑ ርእሰ ግሉጽ ሓቂ’ዩ። ሰለዝኾነ በዚ ኣጋጣሚ ርሑስ ባዓል’ዚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ነዞም ዕላማታት ኢዚኣቶም ንምዕዋት ኣብ ዙርያ ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ዓቕምታቱ ኣዋዲዱ ክቃልስ ፈ/ቤ/ት ጻውዒቱ የቕርብ።

 

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት

ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top