ሰሚናር ዳን ኮነል (Dan Connell) አብ ከተማ ኦክላንድ

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ቤይ ኤርያ (EYSC-Bay Area)ነቲ ካብ ንእስነቱ አትሒዙ አብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራ ደዉ ኢሉ ዝተቓለሰን ገና ዝቃለስ ዘሎን ውሩይ አሜሪካዊ ጋዜጠኛ ዳን ኮነል ብምዕዳም መሃርን መሳጥን ህዝባዊ አስተምህሮ አእንጊዱ። አብዚ ልዕሊ ሚእቲ ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ አስተምህሮ፡ እቲ ብዛዕባ ኤርትራ ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ዝጻሓፈ ዉሩይ ጋዜጠኛ ዳን ኮነል ንዝርዝር ኩነታት ኤርትራ ካብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚርካ ስጋብ እዚ ዘለናዮ እዋን ብዕምቆት ተንቲኑ።

እቲ ብስእላዊ መግለጺ ዝተሰነየ ንሕሉፍ ተሞክሮ ህዝቢ ኤርትራ ዝተናኸፈ አስተምህሮ ንተሳተፍቲ አብ ዲቕ ዝበለ ተዘክሮታት ዘእተወ ኔሩ ክበሃል ይከአል። ዳን ኮነል እቲ ተስፋ ዝገበረሉን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝደገፎን ሰዉራ አብ ከምዚ ደረጃ ምውዳቑ አዝዩ ከም ዘሕዝኖ ገሊጹ። ቀጺሉ ዳን ኮነል አብ 2001 ዓ.ም አብ ሞንጎ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ አፈወርቅን እቶም ንለውጢ ዘንቀሉ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ነበርን ንዘጋጠመ ህሞት ዳህሲሱ።

አብዚ ሕጂ እዋን ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት አብ ኢትዮጵያ ከይዱ ተዓዚቡ እንታይ ከም ዝመስል ናይ ምስክርነት ቃሉ ሂቡ። አብ ኢትዮጵያ አብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊን ካልኦት ሰብ ስልጣን ኢትዮጵያን ተራኺቡ ንወደብ ኮነ ሃገረ ኤርትራ ክጎብጡ ድልየት ከም ዘይብሎም ከም ዘረጋገጸን፡ እቶም ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ዘለዎም ስክፍታ መሰረት ዘይብሉ እዩ ክብል ገሊጽዎ። በንጻሩ ኢትዮጵያውያን አብ ሰላምን ምርድዳእን ዝተሞርከስ ተጠቃምነት ወደብ ዓሰብ ከምዘርብሖምን ከምዝደልዩን አረዲኡ።

ቀጺሉ ካብ ተዓዘብቲ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ክምልስ እንከሎ ዳን ኮነል አብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘለው ተቓወምቲ ውድባት አብ ራእይ ጥራይ ከይተሓጽሩ ነቲ አብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዓስኪሩ ዘሎ ስደተኛ ኤርትራዊ አእሚኖም’ አብ መስርሕ ለውጢ ዘዋስእሉ መንገዲ ክፈጥሩ አለዎም ኢሉ። አብ ዚ ሕጂ እዋን እቲ አብ ተቓወምቲ ሓይልታት ዘሎ ጸገም ናይ ራእይ ዘይኮነስ ናይ ተግባር ስራሕ ዘይምህላዉ እዩ ዝብል ነጥቢ ጸቒጡሉ።

አብቲ አስተምህሮ ንዝርአዮም አባላት ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያትን ንለውጥን ስጋብ ሕጂ ዘርአይዎ ንጥፈታትን አዝዩ ከምዘተስፈዎን፡ እዚ አብ ደገ ተጀሚሩ ዘሎ ቃልሲ ምስ ናይ ውሽጢ ዓዲ ዝፍጠር ናይ ለውጢ ሓይሊ ተወሃሂዱ ለውጢ ንኸምምጽእ ዘለዎ ሙሉእ እምነት ገሊጹ።

አብቲ ብአባላት EYSC ቤይ ኤርያ ዝተገብረሉ ናይ ድራር ግብጃ ዳን ንመሪሕነት ማሕበር መሃርን ሓጋዝን ምኽርን ተሞክሮን ክልግሰሎም እንከሎ፡ ነታ ካብ አባል መሪሕነት ዝቐረበትሉ ሕቶ ንምንታይ ኢኻ ብኤርትራ ዜጋታታ ከማን ገሊኦም ተስፋ ቆሪጽም እንከስቅጡ ንስኻ ግን ስጋብ እዛ ዕለት እዚአ
“ ትቃለስ ዘለኻ ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ዳን አነ ነዚ ንእስነተይ ዝኸፈልኩሉ ” ህዝብን ሰውራን አብ መዓልብኡ ክበጽሕ ክርእዮ ይደሊ እየ ክብል መሊሱ።
“’ አስዒቡ ኤርትራ ከምቲ ንስኹም ትሓሙላን ተፍቅርዋን አነ ውን ማዕረኹም ” የፍቅራን ይሓመላን እየ ኢሉ።

ነዚ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ቤይ-ኤርያ ካሊፎርኒያ ዝመሰጠን ንአባላት EYSC ቤይ ኤርያ ሓያል ተሞክሮ ዘቕሰመን ሰሚናር አብ ምውህሃዱ ’ኮነ አብ ምስላጡ ሓያል ጻዕሪ ዘካየደት፡ ቅድሚ ሕጅ ውን ተመሳሳሊ ተበግሶታት ብምውሳድ እትፍለጥ ም/አደ ወንበር EYSC-ቤይ ኤርያ ዶ/ር ሳባ ኢሳቕ ክትምስገን ይግብአ። ቅዳሕ ናይዚ ሰሚናር ንምርኣይ ኣብዚ ጠዉቁ: http://www.ustream.tv/recorded/25276369 ዜናን ሓበሬታን EYSC- ቤይ ኤርያ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7716

Posted by on Sep 13 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net