ንኻልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤ ንምድላው ዝኣክል ጨንፈር ርያድን ጅዳን ካልኣይ ሰሚናር ኣካይደን

ነቲ ኣብዚ ዘለናዮ ዓመት ንኽጋባእ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ናይ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ካልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤ ንምድላው ዝኣክል : ኣብ ኩለን ጨናፍራት ተኸታታሊ ሰሚናራት ክግበር ጸኒሑን ኣሎን : ሎሚ ወን ከም መቐጸልታ ናቱ ድሕሪ’ቲ ኣብ ከተማ ጅዳ ኣብ ዕለት 31/8/2012 ዝተገብረ ሰሚናር ፡ ኣብ ከተማ ርያድ ውን ኣብ
ዕለት 7/9/2012 ሰፊሕ ህዝባዊ ሰሚናር ተኻይዱ::

ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ሰሚናር ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተዳለወ መባእታዊ ጽማቕ ሓሳባት ብጽሑፍ መልክዕ ናብ ህዝቢ ድሕሪ ምቕራቡ ፡ ናይ ክትዕን ሓሳብካ ምሃብን መድረኽ ስለዝተኸፍተ : ኣኼበኛታት ብወገኖም ኩሉ’ቲ ዘለዎም ሓሳብ ብምፍሳስ ነቲ ወረቕቕቲ  ኣሀብቲሞም ናብቲ ዝስዕብ ጉባኤ ንምቕራቡ ድሉው ገይሮሞ ይርከቡ :: እቲ ናብ ጉባኤ ዝቐርብ  ወረቓቕቲ ጽፉፍን ሓላፍነታዊ ሓሳባትን ሒዙ ክቐርብ ስለዝግባእ፡ ኩሉ ተሳታፊ ናይ’ቲ ሰሚናር ውሁድ ብዝኾነ ኣገባብን ትዕግስቲን ምክእኣልን ብዝመልኦ መንገዲ እዩ ነቲ ሰሚናር ኣካይዱዎ።

አዚ መስርሕ’ዚ ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ “ ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ኣብ ክንዲ ተዓዛቢ ፡ ተሳታፊ ክኸውን ይግባእ ” ዝብል መርገጺ ሰልፊና ኮይኑ: ህዝቢ ከምቀደሙ ኣብ ጉዳዩ ብምስታፍ ነቲ ሓላፍነት ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኮይኑ ዘሎ ፡ ንስርዓት ህግደፍ ኣሊኻ ሰላምን ደሞክራሲን ዝነገሳ ሃገር ንምህናጽ ኣብ ዝግበር ቃልሲ እጃሙ ንምብርካት ካብ ዝሓለፈ ብዝሓየለ መልክዑ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ከምዝግባእ ተሓቢሩ ።

ብመሰረት’ቲ ኣቐዲሙ ዝተዳለወ መደብ ፡ ኣብ ዝመጽእ ቀረባ እዋን  ሳልሳይ ሰሚናር ክግበር ምዃኑ ፡ ዕላምኡ ድማ ነቲ ናብ ጉባኤ ዝቐርብ ወረቓቅቲ ብደቒቕ ንምምማይ መታን ክሕግዝ ተባሂሉ ምዃኑን ፡ ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣቶ መሓመድ ሳልሕ ኣፍሊጡ ። ንሱ ኣስዒቡ ካልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤ ፡ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዳግማይ መንፈሱ ዘሐድሰሉ ናይ ስግግር መድረኽ ከም ምዃኑ መጠን ፡ ኩሉቲ ዝድለይ ዘበለ ምድላዋት ተገይሩ ምህላዉ ሓቢሩ ።

ኣብ መወዳእታ ናይ’ቲ መደብ ፡ ተሳተፍቲ ናይ’ቲ ኣብ ጅዳን ርያድን ዝተኻየደ ሰሚናር ብወገኖም ፡ ንኻልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤ ንምዕዋት ኩሉ ካብኦም ዝድለይ ዘበለ ክገብሩ ምዃኖም ቃል ብምእታው ፡ ነታ ነቲ ሰሚናር ዘዳለወትን ንኻልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤ ምድላዋት ትገብር ዘላን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብምንኣድ ዝለዓለ ምስጋናኦም
ኣቕሪቦም ።

 

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

ቤ/ጽሕፈት ዜና  9/9/2012

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7728

Posted by on Sep 15 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net