ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ግብጺ ዝገበርዎ ዑደት ዛዚሞም

ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ግብጺ ዝገበርዎ ዑደት ኣብ ዕለት 7/9/2012 ዛዚሞም ። ኣብቲ ብኹሉ መለክዒታቱ ዕዉት ነይሩ ክበሃል ዝኽእል ዑደት ፡ ንትሕዝቶኡ ብዝምልከት ኣጠቓላሊ ጸብጻብ ክወሃብ እንተደኣ ኮይኑ ፡ እቲ ዑደት ነቲ ኣብ ግብጺ ተረኺቡ ዘሎ ህዝባዊ ዓወት ኣመልኪቱ ህዝቢ ኤርትራ ንህዝቢ ግብጺ ዮሃና ምባሉ ዝሕብር መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ግብጺ ምብጻሕን ፡ ኣገዳስነት ክልተኣዊ ርክባት ብመሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤን ፡ ኤርትራውያን ተመሃሮ ኣብ ግብጺ ዝርከባ ዩኒቨርስቲታት ትምህርቶም ዝቕጽሉሉ መንገዲታት ምድህሳስ ፡ ኣብ ግብጺ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣመልኪቱ እቲ ኣብ ሲና ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ዘሎ ግፍዒን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ምገትኢ ምግባር ፡ ኣብ ግዜ ምስጓግ ስደተኛታት ውን ነቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ክንዲ ናብ ኤርትራ ናብ ካልእ ሳልሳይ ሃገር ዝጉዕዙሉ ኣገባባት ምንዳይ ዘተኮረ እዩ ናይሩ ።
ኣብቲ ዑደት ካብ ዝተገብሩ ርክባት ፡ ምስ ኣቦመንበር ሰልፊ “ ኣልወሰጥ ” ኣቡ ኣልዓላእ ኣልማዲን ምስ ምክትሉ ዓምሩ ፋሩቕ ብምርኻብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ኣባላት ሰልፊ ናህዳ ድማ ብፍላይ ንህዝቢ ግብጺ ነቲ በጺሕዎ ዘሎ ዓወት ዮሃና ድሕሪ ምባሎም ፡ ንሰልፊ ናህዳ ኣመልኪቶም ውን ኣበጋግሳኡን ህሉው ኩነታቱን ፡ ናይ ቀረባን ርሑቕን መደባቱን ኣምልኪቶም መብርሂ ሂቦም ። መሪሕነት ሰልፊ ኣልወሰጥ ብወገኖም እቲ ዝተገብረ ዑደት ኣዝዩ ከምዘሐጎሶምን ኣብ መጻኢ ቀጻሊ ርክባት ክግበር ከምዘለዎ ብምሕባር ፡ ንኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ህያብ ኣበርኪቶምሎም ።
ኣብቲ ምስ ኣምበሳደር ሪፑፕሊክ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣሕመድ ድረር ዝተገብረ ርክብ ፡ ኩነታት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ድሕሪ ሞት ነፍሲሄር መለስ ዘናዊ ኣመሊቶም እንክዝትዩ ፡ ኣቶ ኣሕመድ ድረር ኣብ ቓሉ ፡ ርክብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ደምበ ተቓውሞ ኤርትራን ርክብ ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ከም ምዃኑ መጠን ንኽልቲኦም ህዝቢታት ብዘርብሕ መንገዲ ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ ። ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብወገኖም ፡ ኤምባሲ ሪፑፕሊክ ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ ስለ’ቲ ኣብ ልዕሊ እርትራውያን ስደተኛታት ዘርእዮ ዘሎ ሓልዮትን ፡ ኣብ ግዜ ምስጓግ ኣብ ክንዲ ናብ ኤርትራ ናብ እትዮጵያ ከምዝኸዱ ብምግባሩን ኣጥቢቖም ምስጋናኦም ኣቕሪቦም።
ብካልእ ወገን ውን ምስ ሓላፊ ማእከል ስትራተጂካዊ ማጽናዕቲታት ዶ/ር ሃኒ ርክብ ብምክያድ ፡ ንኣከባቢና ኣብ ዘገድሱ ጉዳያትን ፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣመልኪቶም ዘትዮም ፡ ዶ/ር ሃኒ ብወገኑ ከምዚ ዝኣመሰላ ርክባት ክግበር ከምዘለዎ ገሊጹ ። ኣብ ካልእ ርክብ ምስ ፈጻሚ ጉዳያት ኣብ ውድብ ኣህጉራዊ ስደተኛታት ኣቶ ኦስካል ሉቢን ፡ ምስ ሓላፊት ፈጻሚት ስርሒታት ው/ሮ ክሪስቲን ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ግፍዒታት ዝውገደሉ መንገድታት ብምድህሳስ ፡ ኣብ ግዜ ምስጓግ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ቤት ጽሕፈቶም ምስ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኸዱ ኣብ ምግባር ንኽነጥፉ ጠለቦም ኣቕሪቦም ። ብኻልእ ወገን ምስ ሓለፍቲ ኮሚሽን ስደተኛታት ኣብ ካይሮ ተራኺቦም ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣተኲሮም ፡ ኣብ ግብጺ ኣብ የመን ኣብ ሱዳንን ኣብ ኢትዮጵያን ዘለዉ ስደተኛታትን ኩነታቶምን ኣመልኪቶም መብርሂ ብምሃብ ፡ ነቶም ኣብ ሲና ግብጺ ብክፋል ኣካላት ስደተኛታት ዝነግዱ ዘለዉ ሸፋቱ ንምህዳን ምስ ኩለን ዝምልከተን ኣህጉራውያን ውድባት ተሓባቢሮም ክሰርሑ ነቶም ገበነኛታት ናብ ሕጊ ከቕርቡዎም ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም ።
ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ቤ/ጽ ዜና 13/9/2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7788

Posted by on Sep 25 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net