News

ዑደት መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ፓርላማ ሃገረ ጀርመን/በርሊን

ዕለት 22.10.2012 መሪሕነት ባይቶ – ኣቦ መንበር ጸጋይ ዮናነስ ደረስ ምስ ምክትል ኣቦ መንበር ፍረወይኒ ሃብተማርይምን ሰክረተሪ ኣሕመድ ነጋሽን ኣብ ፓርላማ ጀርመን፡ ኣብ ከተማ በርሊን ዑደት ኣካይዶም። ምስ ቶም ኮኒግስ፡ ኣቦ መንበር ቀዋሚት ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት፡ ባይቶ ጀርመን፡ ዕዉት ምይይጥ ኣካይዶም። ዕለት 7.7.2012 (Sagt “Nein” zur Diktatur in Eritrea) ኣብ
ከተማ ጊሰን ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ቶም ኮኒግስ ምስ ግሪን ፓርቲ ብጾቱ ኣብ ጎኒ ተቓውሞ ደንበ ብኣካል ተሰሊፉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ኣቦ መንበር ባይቶ ምስ ዕላማታት ኤ/ሃ/ባ/ዲ/ለ ድሕሪ ምልላይ፡ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሽኡን ብዝያዳ ንመንእሰያትና ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማትን ኣስፊሑ ገሊጹ። ቶም ኮኒግስ ንመሪሕነት ባይቶ፡ ዘለዎ ሓበሬታን፡ ዘሎ ሰነዳትን ከመሓላልፈሉ፡ ንሱ ድማ ብተገዳስነት ነቲ ሰነዳት ናብ ዝምልከቶ ኣካል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ጀርመንን ናይ ሕቡራት መንግስትታት ቤት ጽሕፈት መሰል ደቂ-ስባት ኮምሽን (UN-Human Rights Commission ) ከመሓላልፍ ሙኻኑ ኣረጋጊጹ። ንቐጻሊ ርክብ ኣተባቢዑን ዓዲሙን፡፡

መሪሕነት ባይቶ

23.10.2012

 

ሓበሬታ፡ http://www.auswaertiges-amt.de/cae/servlet/contentblob/629370/publicationFile/173235/121024_10-MR_Bericht.pdf

ንኤርትራ ዝምልከት ገጽ፡ 168 – 169

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top