ዮሃና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብምኽነያት ርሑስ ባዓል ዒድ ኣልኣደሓ

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ምስልምና ድማ ብፍላይ  እንቋዕ
ንባዓል ዒድ ኣልኣደሓ ኣብጽሓኩም ይብል። ባዓል ዒድ ኣልኣደሓ ንህዝቢ ኤርትራ ባዓል ሰላምን ፍቅርን ሕድገታትን
ክኸውን፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ሰዓብቲ ኩሉ ሃይማኖታት ነቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ኢድ ምትእትታው
ብምንጻግ፡ ሓድነት  ህዝቢ ኤርትራ ንምውሓስን ምጥንኻርን ክጽዕሩ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ንምስፋን ንዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ኣብ ምድጋፍ፡ ዕዙዝ ተራኦም ክጻወቱ ይጽውዕ።

 

 

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

25 ጥቅምቲ 2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7875

Posted by on Oct 25 2012 Filed under News, Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net