ታሪኻዊ ግንባራዊ ሰሚናር ብሄራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓርነት ሳሆ ኤርትራ (ብደግሓሳኤን) ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ (ምደፍኤን) ብውዕዉዕ ስነ-ስርዓት ተኸፊሩ፡፡

ኣብ ድሮ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን “ኩሉ ዓቕምታትና፡ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ይቕናዕ” “ፍልልያትና+ ምክብባርና+ ምልዛብና = ድልዱል ሓድነትና” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖታት፡ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ግንባራዊ ሰሚናር ምደፍኤን ብደግሓሳኤን፡ ሎሚ 1 ሕዳር 2012 ልክዕ ሰዓት 8፡00 ቅድሚ ቀትሪ፡ ብውዕዉዕ ስነ-ስርዓት ተኸፊቱ፡፡ ኣብዚ ካብ ኣባላት ሰራዊት ክልቲኡ መሓዙት ውድባት ዝተወከሉ ተጋደልቲ፡ ምሉኣት ኣባላት ኣመራርሓን ወከልቲ ሓፋሽ ውድባት መዓስከራት ስደተኛታትን ዘሳተፈ ሰፊሕ ሰሚናር፡ መኽፈቲ ቃል ኣሰናዳኢት ሽማግል፡ ብብጻይ ተውፊቕ ኑርሑሴን፡ ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን ምስቀረበ፡ ናይ ሎሚ ዕለት መመያየጢ ኣርስቲ ክኸውን ካብ ዝተዳለወ ርእሰ ጉዳይ፡ ንህሉው ወድዓዊ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብፍላይ ድማ መንነትን ደርባዊ ባህርያትን ስርዓት ህግደፍ ዝትንትን፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ምስ ውድዓዊ ኣተሃላልዋ ኤርትራን ህዝባን ጉጅለ ህግደፍን ብዕምቆት ዝተንተነ ምይይጥን ክትዕን ተኻየዱ፡፡ ኣብዚ ን ኣስታት 8 ሰዓታት ዝተኻየደ ገምጋማትን ምይይጣትን፡ ከምጽሟቕ ናይቲ ዝቐረበ ገምጋምን ርእይቶታትን፡ ዳርጋ ኣብ ኩሎም እቶም ዝቐረቡ ርእሰ-ጉዳያት ተመሳሳሊ ገምጋማትን ኣርኣእያታትን ዝፈሰሱ ኮይኖም፡ ከም ናይ ሓባር ገምጋምን ኣርኣእያን ተወሲዱ ንጹር መርገጻት ተታሒዙሉ ኣሎ፡፡ ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ እዚ ሓባራዊ ገምጋማዊ ኣርኣእያታትን መርገጻትን ክጭበጥ ምኽኣሉ፡ ድሕሪ ሕጂ ምይይጥ ክካየደሎም ተሰሪዖም ኣብ ዘለዉ መመያየጢ ኣርእስታት እውን ዝያዳ ዝሰጠመን ዝዓሞቐን ኣረኣእያታትን መርገጻትን ክጨበጥ ዘሎ ተኽእሎታት ዘዕቢ እዩ፡፡

ታሪኻዊ ግንባራዊ ሰሚናር ምደፍኤን ብደግሓሳኤን ክሳብ ዕለት 3 ሕዳር 2012 ክቕጽል እዩ፡፡ ዕለት ቀዳም 3 ሕዳር 2012 ድማ ወግዓዊ መኽፈቲ ታሪኻዊ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ፡ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን ክካየድ እዩ፡፡ መስርሕ ጉባኤን ሰሚናርን ብዝምልከት ዝህሉ ምዕባሌታት በብግዚኡ ንህዝቢ ከነከታትል ምኳንና ድማ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ክንገልጽ ንፈቱ፡፡

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ግንባራዊ ጉባኤ፡

ምደፍኤን ብደግሓሳኤን

1-11-2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7913

Posted by on Nov 2 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net