ኣዋጅ

ሎሚ ዲኽታቶራዊ ስርዓት ኤርትራ ብኹሉ ሸነኻቱ ንኽትገልጾ ዘስኻሕኽሕ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን  ዘውርደሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ከምኡ‘ውን ካብ ብዙሕ ሸነኻት ዘይንጹር ሽርሕታትን ውዲታትን ኣብ ልዕሊ ልዕላውነት ሃገርናን ድልየት ህዝብናን ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ኮይኑ ነቲ ነጻ ዝኾነ ሃገራውነትና ኣብ ዘስገአሉ ዘሎ ኩነታት‘ዚ፡ ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ዝተፈላለያ ውድባት ፡  ሲቪኽ ማሕበረት ፡ ንጡፋት ውልቐ ሰባት ብምእካብ፡ ነዚ ዘንጸላሊ ዘሎ ሓደጋታት ድሕሪ ምምዛን ፡ ንምምኻቱ ተደጋጋሚ ርኽባት ብምግባር ዓሚቕ ምይይጥ ብምኽያድ ነቲ እዋናዊ ምርጫታትን  ፍታሓትን ብምርአይ ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ናይ ሓባር ስምምዕ ኽበጽሕ ኽኢሉ ኣሎ።

ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታትን ሳዕቤናትን ኣብ ግምት ብምእታው  ንስርዓት ህግደፍ ካብ ስሩ ምሒኻ፡ ልዕላውነት ሃገርን ደሞኽራስያዊ መሰላት ህዝብን ምርግጋጽ ቀዳማይን ህጹጽ ምርጫን ምዃኑ ብምልአት ኣረጋጊጹ።

 

ኸምኡ‘ኸአ ኣብ ቓልሲ ኹሉ ዘጋጥም ጸገማትን፡ ብድሆታትን ተቢዑ ብሓባር ክምኽት ወሲኑ። ነዚ ንምትግባር ንስርዓት ህግደፍ ንምፍራስን፡ ህዝብና ንምድሓን ዘቐላጥፍን ዝሕግዝ ሓደ ሰፊሕ ሃገራዊ ልፍንቲ መስሪቱ፡ ስሙ ድማ ኤርትራዊ ሃገራዊ ልፍንቲ (Eritrean National Coalition) ዝብል ሃገራዊ ጽላል መስሪቱ ከም ዘሎ ንህዝብና ነበስር።

 

  • ኣዚ ልፍንቲ’ዚ  ዝምስረታ  ሰልፍታትን  ህዝባዊ ማሕበራት :-

1. ሕብረት ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ

2. ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ

3. ሕዝብ ሙዕተመር ኤርትራ ቕያዳ ኣልጀምዕያ ፡

4.ሰልፊ ለውጣዊ ምንቕስቓስ ንደሞክራስያዊት ኤርትራ

5. ሰልፊ ንሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

6. ኤርትራዊ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር

 

* ህዝባዊ ማሕበራት

1. ኤርትራዊ መርበብ ንሃገራዊ ዘተ

2. ከምኡን ንጡፋት ነጻ ኣባላት ኣፍረይትን ሓብሓብትን ቃልሲ።

 

 

ነዚ ምጥርናፍ ዝመርሑ መዚዙ፡

1. ኣቦ መንበር ፡ ኣቶ ኣብርሃም ነጋሲ

2. ምኽትል ኣቦ መንበር ፡ ኣቶ ኢብራሂም ገቢል፡ መዚዙ ኣሎ፡

 

ነዚ ዝተገብረ ስምምዕ ዝጥርንፍ መምርሒ ብምድላው ኩሉ ኣብ ስራሕ ኽብገስ ተሰማሚዑ። ቀንዲ ዕላም‘ኡ ድማ ውሳኔታትና ካብ ምትእትታው ምሕላው፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስሩ ኣልጊስኻ ልዑላውነት ህዝብን መሬትን ዝተሓለወት ደሞኽራስያዊት ኤርትራ ብምቛም፡ ኣብ መንጎ ኩሎም ኤርትራውያን ፍትሕን ማዕርነትን ምርግጋጽ ኮይኑ፡ ኣንጻር ኩሉ ድሑር ዝኾነ ኣፈላላይ እትቓለስ ሃገር ክትምስረት ተሰማሚዑ።

 

በዚ መሰረት ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝርኸብ ህዝብና ብሓባር ንስርዓት ህግደፍ ንኽወድቕ ዘቐላጥፍ ምንቕስቓስ ምፍጣር፡ ሓድነት መሬትን ህዝብን ኤርትራ ምርግጋጽ መሰረት ቓልስና ምዃኑ ብትብዓት ናይ ሓባር መርገጹ ምዃኑ ደምዲሙ።

 

እዚ  ግንባር‘ዚ ኣካል ባይቶ ኮይኑ  ጎዲሉ ዘሎ ናይ ባይቶ ስራሕ ክምልእን ከቀላጥፍን  ዓቢ ዝላ ከምዝኮነ ጥራሕ ዘይኮነ፡  ሓይልታት ፍልልዮም ኣጽቢቦም ተጥርኒፎም ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ወሳኒ ተራ ከምዘለዎ ኣረጋጊጹ።

 

ኣብ‘ዚ እዋን ንህዝብና ኣጋጢምዎ ዘሎ ዓቢ ጸገም መንቐሊኡ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ዓለም ኣለልይዎ ከምዘሎ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ጎረባብቲ ሃገራት በብሓደ ንኹለን ኹናት እንዳኸፈተ ዘሸገርን ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ልዕላውነተን ኢድ እንዳ ኣእተወ  ዘሸገረ ኮይኑ ደሓን እቶ ዝብሎ የብሉን። ስለዚ ኩለን ጎረባብትን ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝቢ ምኻነን ምስጋናና ነቕርብ፡ ዝያዳ  ሓገዘን ኸይተሓለላ ኽሳብ ነጻነት ህዝብና ዝረጋገጽ ዝለዓለ ደገፈን ኽገብራ ምሕጽንታና ነቕርብ።

 

 

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ

ዝኽርን ሞገስን ንጀጋኑ ስውአት

ውድቐት ንገዛኢ ስርዓት ህግደፍ

 

الائتلاف الوطني الارتري

ኤርትራዊ  ሃገራዊ  ልፍንቲ

19/11/2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8040

Posted by on Nov 23 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net