NewsNotices

መጸዋዕታ ንናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ተቐማጦ ሸፊልድ ንኩሉኹም ኤርትራውያን

ነቲ ንሰንበት ዕለት 09/12/2012 ሰዓት 1፣30 ድ.ቀ. ኣምባሳደር ስርዓት ውልቀ-መላኺ ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከካይዶ ሓሲቡ ዘሎ ኣኼባ ምስ ገለ ወይጠታቱ ኣብ ከተማ ሸፊልድ ንምቅዋም: ተቐማጦ ከተማ ሸፊልድ ምስ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ መላእ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ውድባት ኤርትራን ሲቪካውያን ማሕበራትን ብምትሕብባር፣ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣዳሊዮም ኣለዉ። ስለ’ዚ ኩሉኹም ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓባይ ብሪጣንያ ነዚ ኣብ ሃገርና መዘና ኣልቦ ዝኾነ ግፍዕን ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰልን ዝፍጽም ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ኣትሪርኩም ክትኩኑኑዎን ክትቃወሙዎን ሃገራዊ ግዴታኹምን ሓላፍነትኩምን ብምዃኑ፣ ኣብ’ዚ ዚተባህለ ግዜን ዕለትን ንኪትሳተፉ ብኽብሪ ንጽውዕ።
ቦታ
SADACCA Building
48 WICKER
Sheffield
S3 8JB
ኣዋሃሃዲት ሽማግለ በዓላትን ሰላማዊ ሰልፊን ከተማ ሸፊልድ

Please sign the petition

easily copy the format from here and then email it as it is or with amendments, otherwise one can prepare own version and then send it to SADACCA or venue management in Sheffield.

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top