ዜና ኤርትራዊ ግንባር ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኤግደለ፡፡ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ኤግደለ፡ ቀዳማይ ዙር ሰልጠንቲ ኣመሪቑ፡፡

ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ግንባር ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኤግደለ፡ ካብ ጽባሕ ዕዉት ግንባራዊ ጉባኤ ዝጀመሮ ኣስታት 45 መዓልታት ዝወሰደ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ስልጠና ዝተኸታተሉ ተጋደልቲ ሎሚ ብ 05 ጥሪ 2013 ላዕሎዎት መራሕትን ተጋደልትን ግንባር ኣብ ዝትረኽበሉ  ኣጋጣሚ ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ኣመሪቑ፡፡

ኣብቲ ኣጋጣሚ ዋና ጸሓፊ ግንባር ተጋዳላይ ሰዓድ ከማል ሰዓድ ኣብ ዝመሓላለፉ መልእኽቲ፡ “ብምኽንያት ድኽመት ደምበ-ተቓውሞ ብሓፈሻ፤ “ኮይና ተሪፋ ካብዞም መንእሰያት እያ” ብዝብል፡ ሙሉእ ደላዪ ለውጢ ትጽቢቱ ኣባና ኣብ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤግደለ ኣብ ዝገበረሉ ወድዓዊ ኩነታት ንርከብ ምህላውና ዘይትስሕትዎ ሓቂ እዩ፡፡ ስለዚ ድርብ ሓላፍነት ክንሽከም ናይ ግድን ኮይኑና ኣሎ፡፡ ብርግጽ፡ ንትርግታ ህዝብና ከም እንሰምዕን፡ ንትጽቢታቱ ከም እንውክልን ብተግባር ከነረጋግጽ ኣለና፡፡ እዚ ብሓደ መዳይ ኣወንታዊ እዩ፡፡ በቲ ካልእ መዳይ ድማ፡ ምሉእ ሓላፍነት ኣብ እንግድዓና

ወዲቑ፡ ዕጽፊ ናይዚ ክሳብ ሕጂ ከነሰላስሎ ዝጸናሕና ግንባራዊ መደባት ከነሰላስል ንጭቡጥ ዓቕምና ዝፈታተን ምኳኑ ኣይተርፍን፡፡ እዚ ክንገብር እንተ ዘይክኢልና ድማ፡ ብርግጽ ኣብ ታሪኽ ተሓተትቲ ክንከውን ኢና፡፡” ድሕሪ ምባሉ፡ ዓወትና ንምቅልጣፍን ካብ ናይ ታሪኽ ተሓታትነት ነብስና ንምድሓንን፡ ብመሉእ ተወፋይነትን ሕልናዊ ዕግበትን ውሽጣዊ ሓድነት ግንባርና ኣደልዲልና፡ ንግንባራዊ መደባትና ቀዳምነት ብምሃብ፡ ብንቕሓት ክንረባረብ ከም ዝግባእና ኣስሚሩሉ፡፡

ሓላፊ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ኤግደለ ብጻይ ጡዑም እዝጊ ሃይሉ ብወገኑ፡ ከንመሃሮ ዝጸነሕና ወተሃደራውን ፖለቲካውን ስልጠና ብዙሕ ሕጽረታት ዝነበሮ ይኹን ደእምበር፡ ብሓፈሽኡ ግን ብፍላይ ኣብ ተራ ተጋደልቲ ምሉእ ተሳትፎ ኔሩ ኢልና ክንድምድም ንኽእል፡፡ ኣብ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መዳይ ካብ ዝቐረቡ ናይ ትምህርቲ መደባት፡ ሰራዊት ኤግደለ ዝሓሸ ንቕሓትን ኣፍልጦን ከምዝጨበጠ ካብቲ ኣብ ፈተና ዝተመዝገበ ውጽኢት ንምርዳእ ይከኣል፡፡ ግንባርና ሕጂ እውን እቲ ናይ ምንቕቓሕ መደባቱ ብምቕጻል ኣብ ቀረባ መጻኢ፡ ናይ ካድራትን ኣመራርሓን ፖለቲካዊ ኮርስ ናይ ምክያድ መደብ ኣለዎ እዩ፡፡ እዚ ናይ ካድራትን ኣመራርሓን ፖለቲካዊ ኮርስ እዚ፡ ካብዚ ዝሓለፈ ናይ ታዕሊም መደብ ዝኣክል ትምህርቲ ቀሲምና ስለዘለና፡ ካብዚ ብዝሓሸ ኣገባብን ቅድመ-ምድላዋትን ከነሰላስሎ ኢና፡፡ ድሕሪ ምባሉ፡ ኣብቲ ናይ ምምራቕ ስነ ሰርዓት፡ ንዕዉታት ተጋደልቲ መተባበዒ ሽልማት ተዓዲሉ፡፡ ብተጋደልቲ ዝተፈላለዩ መዘናግዒ መደባት እውን ቀሪቡ ነይሩ፡፡

ኤርትራዊ ግንባር ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኤግደለ፡ ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ዓመት ብዝወሰደ ሰፍሕ ዘተታት፡ ክልቲኦም መሓዙት ውድባት ማለት ብሄራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓርነት ሳሆ ኤርትራ (ብደግሓሳኤ)ን ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ (ምደፍኤ) ስትራተጂካዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ከምስረታ ብዝተበጽሔ ስምምዕ መሰረት፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2012 ብ ታርኻዊ ግንባራዊ ሰሚናር ዝተሰነየ ግንባራዊ ጉባኤ ብዓወት ድሕሪ ምስሊሳሉ፡ ብወግዒ ግንባራዊ ነጥፍታቱ ከምዝጀመረ ዝፍለጥ ኢዩ፡፡ ክልቲአን ውድባት ሰራዊተን ኣብቲ ሓባራዊ ወተሃደራዊ እዚ ብምጥርናፍ ድሮ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስልጠና ብዓወት ብምስልሳል ኣብ ዝቕጽል ወተሃደራዊ ግንባራዊ ዕማማት ንምዕዋት ኣብ ሓያል ርብርብ ተጸሚደን ይርከባ፡፡

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ኤግደለ

5 ጥሪ 2013

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8234

Posted by on Jan 7 2013 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net