ዜና መስመሪ ጉባኤ ሓሙሽተ ውደባት

መስምሪ ጉባኤ ሓሙሽተ ፖለቲካዊ ውድባት “ምልክነት ወጊድና ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ከነረጋግጽ ኢና!!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ ቀዳም ዕለት 05 ጥሪ 2013 ብወግዒ ተጀሚሩ::

እዞም ሓሙሽተ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝነጥፉን ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ዝነበሮም እኳ እንተነበሩ ብዝተናወሔ ዝተታት ኣብ ናይ ስምረት ጉባኤ ክኣትዉ ክኣሉ።

ኣብ’ዚ ጉባኤ’ዚ ዝተኻፈሉ ውድባት፡-

1-      ሃገራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያዊት ኤርትራ

2-     ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

3-     ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ሓባራዊ መሪሕነት

4-     ሰልፊ ሃገራዊ ስኒት ኤርትራ

5-     ደሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ንመጻኢት ኤርትራ

 

ኣብ መኽፈቲ ጉባኤ ዕድመ ዝተገብረሎም ኣሓት ውድባት ናይ ደገፍ መግለጺኦም ኣስሚዖም። ካብኣቶም፡-

1-      ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

2-     ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ግንባር

3-     ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን

4-     ደሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ

5-     ኤርትራዊ ግንባር ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

6-    ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር

7-     ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

8-     ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

9-    ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ እስትራተጂ ዓዲ እዮም፡፡

 

ዝርዝር መዓልታዊ ውዕሎ’ቲ  መስመሪ ጉባኤ ብተከታታሊ ክነቃልሖ ኢና፡፡

 

ናይ ዜና ኮሚቴ

መስመሪ ጉባኤ

————————————————————————

ውዕሎ ካልኣይ መዓልቲ መስመሪ ጉባኤ ሓሙሽተ ውድባት

ሰንበት ዕለት 06 ጥሪ 2013 ብመሪሕነት ካብ ጉባኤ ዝተመርጸ ፕረሲድዮም ኣብ ኣርባዕተ ጉጅለታት ተኸፋፊሉ ክመያየጥ ጀሚሩ። ናይ ምይይጥ ኣጀንዳ፡-

1-      ካብዚ ዝሰመረ ውድብ እንታይ ንጽበ? ተራ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ኣብ’ዚ ዝሰመረ ውድብ እንታይ ክኽውን ኣለዎ?

2-      ናይቲ ዝሰምር ውድብ ሓያል ጎድኒ፡ ድኹም ጎድኒ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ምቹእ ኩነታትን ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ብደሆታትን

3-     ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ህገ ህንጻን

4-     ሓድሽ መሪሕነት ምምራጽን ሰነዳት ምጽፋፍን’ዮም፡፡

5-      ጉባኤኛታት ብዝተታሕዘ ግዜን ኣጀንዳን መሰረት ኣብ ዓሚቕ ምይይጥ ኣትዮም ብዙሕ ካብ ምዱብ ዕዮታቶም ኣሰላሲሎም ኣለዉ።

ውዕሎ ሳልሳይ መዓልቲ ፡-

ሰኑይ ዕለት 07 ጥሪ 2013 ቅድሚ ቀትሪ እቲ ንስምረት ዓቢ ናፍቖት ኣሕዲሩ ዘሎ ተጋባኣይ ኣብቲ ሳልሳይ ኣርእስቲ ብምእታው ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ክመያየጥ ውዒሉ። ብዓቢ ወነን ፍናንን ዝቕጽል ዝካየድ ዘሎ መስመሪ ጉባኤ ሓሙሽተ ውድባት ጽባሕ እውን ኣብቲ ተሪፉ ዘሎ ኣርእስታት ምይይጡ ክቕጽል እዩ።

 

ናይ ዜና ኮሚቴ

መስመሪ ጉባኤ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8252

Posted by on Jan 9 2013 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net