አብ ደንበ ተቃውሞ እውን ዲሞክራስያዊ አገባባት ክንክተልን ከነተግብርን ይግብአና!!

ቅድሚ ክልተ አዋርሕ ሃገራዊ ባይቶ ዓመታዊ አኼብኡ አብ አዲስ አበባ ምስልሳሉ ዝዝከር እዩ፡፡
እቲ ዝዓበየ ናይ መዛረቢ አርእስቲ ኮይኑ ንልዕሊ 4 መዓልትታ ዝወሰደ አብ አጀንዳ ዘይነበረ “ዓዋተ” መን እዩ ዝብል እዩ ኔሩ፡፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ድሕሪ ናይ አርባዕተ ምዕልቲ ስሓቦን ጉሶሶን ባይቶ ንወኪል ናይ ውድብ ኩናማ ስጋዕ ዝመጽእ ጉባኤ ንኽድስል ውሳኔ አሕሊፉ፡፡
ሕጅውን ደቂ ሰባት ስለዝኾና አብዚ ናይ ዓዋተ አርእስቲ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ክህልወና ባህርያዊ እዩ፡፡ አቲ አገድሲ ግና ቅዋም ናይ ባይቶ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እንታይ ዝብል ዓንቀጽ አለዎ ብምባል ነቲ አርባዕተ መዓልቲ ዝወሰደ ምክታዕን ዘየድሊ ምክርኻራት አብ ውሽጢ ሒደት ሰከንድታት ክንምልሶ ንኽእል ምንባርና ካብ ምሕባር ሓሊፈ ሕጂ ካልእ ሃለውለው ክውስኽ አይመርጽን፡፡
መሪሕነት ባይቶ ብወገኑ ንሓደ ቅዋምን ባይቶ ዘይጠሓሰ ዜጋ: ውልቃዊ ርእይትኡ ግና ካብ ናይ ብዙሃን ወይ እውን ካብ መሪሕነት ባይቶ ፍልይ ስለዝበለ እሞ ድማ እዚ ከም በደል ተቆጺሩ ናይ ምእካብን ናይ ምዝራብን ዲሞክራስያዊ መሰላቱ ብምቕንጣት: መሪሕነት ባይቶ ናይ ባይቶ ሕግታት ብምጥሓስ ብህግደፋዊ ዝኮነ አገባብ ነቲ ዜጋ ንነዊሕ እዋን ንክድስክል ፍርዲ በይንሉ፡፡
ከም ውጽኢቱ ድማ እዚ ጉዳይ ንብዙሓት አዛሪቡን አኻቲዑን ንገለ ድማ ካብ ናብ ምጽርራፍ አእቲዎም ይርከብ፡፡ እቲ ምጽርራፋት ንጎድኒ ገዲፈ እቲ ናይ ደገፍቲ ባይቶ ክትዓት ወይ እውን እቲ አብ ዝተፈላለየ መርበባት ዝዝርጋሕ ዘሎ ህዝባዊ ርእይቶታት መሪሕነት ባይቶ ጌጋ ከምዝገበረ፡ መሪሕነት ባይቶ ሕጊ ከምዝጠሓሱ፤ መሪሕነት ባይቶ አብዘይ ጉዳዮም አትዮም ፈረድቲ ሙኻኖም እዩ ዝሕብር ዘሎ፡፡ አብቲ ናይ አፋታትሓ ጉዳይ እውን መሪሕነት ባይቶ ብቅዓት ጥራሕ ዘይኾነ ነዚ ፋሕ ፋሕ ዝብል ዘሎ ናይ ተቃውሞ ደንበ ከቀራርብዎ አይበቅዑን እዮም ዝብል ህዝባዊ ድመዳም እዩ ተበጺሑ ዘሎ፡፡
ዝኸበርኹም ተቃውሞ ደንበ!
ዝኸበርኩም ዜጋታት
አብ ደንበ ተቃውሞ እውን ዲሞክራስያዊ አገባባት ክንክተልን ከነተግብርን ሓላፍነት ስለዘለና መሪሕነት ባይቶ ጌጋ ጌሮም ኢልና ስቕ ምባል ጥራሕ እኹል ስለዘይኮነ ነቶም ሓላፍነት ካብ ህዝቢ ተሰኪሞም አብ ልዕሊ ሓደ ዜጋ ታሪኻዊ በደል ዝፈጸሙ ብሕጊ ክንሓቶም ጥራሕ ዘይኮነ ዓቢ ጌጋን ህግደፋዊ አፈታትሓ ንዝተጠቀሙ ብናይ ገዛእ ርእሶም ተበግሶ ካብቲ ተቀቢሎሞ ዘለዉ ሓላፍነት ብኽብረቶም ንኽወርዱ ክንጽውዕ ይግብአና፡፡
ኹቡራት አንበብቲ መሪሕነት ባይቶ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ አለዎም ኢልካ ምጽዋዕ ሓርበኛ ኢድሪስ ዓዋተ መን እዩ ዝብል ሕቶ ከምዘይምልሶን ብወገነይ አብዛ ጽሕፍቲ ኢድሪስ ዓዋተ ከምዚ እዩ ኔሩ ዝብል ሓተታ ስለዘየቅረብኩ ንሕቶ ይኹን ንርእዮ አብ አገባብ አሰራርሓ አምበር ኢድሪስ ዓዋተ መን እዩ ዝብል ሕቶ ከምዘይምልስ እንዳሓበርኩ ምስ ብዙሓ ሓደራ ይሰናበተኹም፡፡
አልኣዛር ዮሴፍ!!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8291

Posted by on Jan 14 2013 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net