ናይ ደገፍ መግለጺ ሃዲሓኤ/ENDF ንምንቅስቓስ 21 ጥሪ

ብ21 ጥሪ 2013: ውሑዳት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ: ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ቤት ጽሕፈታት ምኒስትሪ ዜና ብምሓዝ: ጠለባቶም ከም ዘቕረቡ ተገሊጹ። ናይ ፓለቲካ እሱራት ምፍታሕን ንቕዋም 1997 ምትግባርን ከም ጠለባቶም ከም ዝኾነ እውን ተፈሊጡ።
ውጽኢቱ ብዘየገድስ: ነዚ ብሰላማውን ዲሞክራሲያዊን መንገዲ ቐሪቡ ዘሎ ጠለባት ንሕና: ኣባላት ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ኤርትራ (ሃዲሓኤ/ENDF) ብትሪ ንድግፎ፤ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከኣ ሓርበኛዊ ተርኦም ብምጽዋት ነቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ: ስልጣን ንህዝቢ ከረክብ ከገድድዎ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ነዘኻኽር።
ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነቶም ንምንቅስቓስ 21 ጥሪ ኣበጊሶም ዘሎው ተበዓት ደቂ ሃገር ክድግፉን ዝኾነ ጕድኣት ከይበጽሖም ክከላኸሉን፤ ልዕሊ ኩሉ ከኣ እቲ ጠለባቶም ብዝቐልጠፈ ኣብ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ክገብሩ ንጽበ። ኣባላት ምንቅስቓስ 21 ጥሪ ግዳይ ናይቲ ጨካን ስርዓት ከምኮኑ ምግባር ሃገራዊ ግደታ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኢዩ።
ከምኡ ወን: ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና: ነቲ ተበጊሱ ዘኦ ምንቅስቓስ 21 ጥሪ ክድግፍ፤ ንምዕዋቱ ዝጥለብ ዋጋ ንምኽፋል እውን ድሉው ክኽውን ንሓትት።
ንኹሉ ብሩህ ኰይኑ ከም ዘሎ: ዲክታቶራዊ ስርዓት ህግደፍ: ንኤርትራ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣገማጊሙዋ ኣሎ። ምንቅስቓስ 21 ጥሪ ናብታ ህዝብና ንነዊሕ ጊዜ ብሃንቀውታ ዝጽበያ ሓዳስ ኤርትራ ዘብጽሕ ክኸውን ኣሎዎ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከኣ ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ብዘይ ከቢድ ዋጋ ኣብ ምእላዩ ዓቢ ተራ ክጻወቱ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።
ንሕና ኣብ ሃዲሓኤ/ENDF እንርከብ ደቂ ሃገር: በዚ ኣጋጣሚ‘ዚ ኲሎም ዜጋታት ኤርትራን ውድባቶምን: ኣብ ዘለውዎ ሃልዮም: ንክውሰድ ዝኽእል ተበግሶታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጠቢቖም ክከታትሉን: ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስን ቅዋማዊ ስርዓተ ምሕደራን ኣብ ምምጻእ ክደፍኡን ንጽውዕ።
ከምኡውን ሕብረት ኤውሮጳ ምስቲ እምነት ዝንበረሉ ተጣባቒ ዲሞክራስን: ሰብኣዊ መሰላትን: ደጋፊ ምዕባለ ዘይሰልጠና ሃገራትን ዝኾነ ትካላቱ: ነዚ ኣብ ኣስመራ ተጋሂዱ ዘሎ ጠለብ ምንቅስቓስ 21 ጥሪ ምኽንያት ብምግባስር: ስርዓት ህግደፍ መሰል ደቂ ሰባት ከኽብርን ፓለቲካዊ ስልጣን ንእተመርጹ ወከልቲ ህዝቢ ኤርትራ ከረክብን ጽቕጠት ክገብሩሉ ሃዲሓኤ/ENDF ኣጥቢቑ ይጠልብ።

ክፍሊ ህዝባኣዊ ርክባት
ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ኤርትራ/ENDF
22 ጥሪ 2013
CCENDF@gmail.com

ENDF is a joint-effort launched in October 2011 to coordinate the efforts of pro-democracy constituted Eritrean groups and independent individuals that believe in non-violent means of struggle and in contributing to making a people-centred political change in Eritrea a reality.

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8354

Posted by on Jan 25 2013 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

1 Comment for “ናይ ደገፍ መግለጺ ሃዲሓኤ/ENDF ንምንቅስቓስ 21 ጥሪ”

  1. ahmed saleh

    Thank you our courageous members of our military troops to crush the
    silence out of fear . It is time for solidarity and unity to fight and destroy
    evils to answer the plight of our people .

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net