ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ በርሊን 29.01.2013

መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ንኣብ ኩለን ክፍለ ዓለማት ዝርከቡ ኤርትራውያን – ፖለቲካውያን ውድባት፡ በርጌሳውያን ማሕበራት፡ ተጠባበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ማሕበር መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን፡ ናይ እምነት ማሕበራትን፡ መዓክን ዜናታትን፡ ናይ ኤርትራውያን ምትእስሳራትን ብሓበራ – ኮምኡ ውን ንሕብረተሰባት ዓለም፡ ብኣድማዒ ንጥፈት፡ ኣብዚ ኣብ በርሊን ተመዲቡ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ንኽሳተፉ ጻውዒትና ነቕርብ።
እዚ ተባዕ ተበግሶ ሓፍትና ገርግሹ ዮሃነስ፡ ንዝምልከቶም መንግስትታት – ከም መንግስቲ ግብጺ፡ ሱዳን፡ እስራኤል፡ የመን፡ ጅቡቲ – ብዝያዳ ንስርዓት ህግደፍ ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዝገብርዎ ዘለዉ ግህሰ ሰብኣዊ መሰላት ደው ንኸብሉ ጸቕጢ ንምግባር፡ ዘተኮረ ከም ሙኻኑ መጠን፡ ንድግፎ።
ነቶም ደለልቲ ሰባትን፡ ንኹሎም ሰብኣዊ ገበናት ዝፈጸሙን፡ ብዝያዳ ኣብ መሸጣ ናውቲ ኣካላት ወዲ ሰብ ዝዋፈሩን፡ ሰባት ይጨውዩ ንዘለዉን፡ ደው ንምባልን፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንምቕራብን፡ ኣጥቢቕና ንጽውዕ።
መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8358

Posted by on Jan 26 2013 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net