News

ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ በርሊን 29.01.2013

መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ንኣብ ኩለን ክፍለ ዓለማት ዝርከቡ ኤርትራውያን – ፖለቲካውያን ውድባት፡ በርጌሳውያን ማሕበራት፡ ተጠባበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ማሕበር መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን፡ ናይ እምነት ማሕበራትን፡ መዓክን ዜናታትን፡ ናይ ኤርትራውያን ምትእስሳራትን ብሓበራ – ኮምኡ ውን ንሕብረተሰባት ዓለም፡ ብኣድማዒ ንጥፈት፡ ኣብዚ ኣብ በርሊን ተመዲቡ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ንኽሳተፉ ጻውዒትና ነቕርብ።
እዚ ተባዕ ተበግሶ ሓፍትና ገርግሹ ዮሃነስ፡ ንዝምልከቶም መንግስትታት – ከም መንግስቲ ግብጺ፡ ሱዳን፡ እስራኤል፡ የመን፡ ጅቡቲ – ብዝያዳ ንስርዓት ህግደፍ ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዝገብርዎ ዘለዉ ግህሰ ሰብኣዊ መሰላት ደው ንኸብሉ ጸቕጢ ንምግባር፡ ዘተኮረ ከም ሙኻኑ መጠን፡ ንድግፎ።
ነቶም ደለልቲ ሰባትን፡ ንኹሎም ሰብኣዊ ገበናት ዝፈጸሙን፡ ብዝያዳ ኣብ መሸጣ ናውቲ ኣካላት ወዲ ሰብ ዝዋፈሩን፡ ሰባት ይጨውዩ ንዘለዉን፡ ደው ንምባልን፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንምቕራብን፡ ኣጥቢቕና ንጽውዕ።
መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top