News

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ኤዲኪ ቆይማ፡

ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ጉባኤ ኤዲኪ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንክግበር ብዝወሰኖን ንተግባራውነቱን ክትትሉን ዝምልከት ከኣ ንፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሓላፍነት ምሃቡን ይዝከር። በዚ መሰረት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ፡ ንጉባኤ ተዳሉ ኣርባዕተ ኣባላት ዝሓቖፈት ሽማግለ ካብ ውሽጢ ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት መዚዙን መምርሒ ሂቡን።

እታ ዝተመዘት ሽማግለ ከኣ 05 ለካቲት 2013 ፈላሚ ኣኼባኣ ኣካይዳ። ኣብ ፈላሚ ኣኼባኣ፡ ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዕዉት ኮይኑ ንክዛዘም ኣገደስቲ ዝኾኑ ዝርዝር መደባት ሓንጺጻ፡ ናይ ግዜ መቓን ኣነጺራ ተበጊሳ ኣላ። ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ኤዲኪ ኣቦ-መንበር፡ ሰክረተር፡ አገልግሎትን ዜናን ዘማእከለት ኮይና ንተ/ ዓብዱልራሕማን ጣሃ ኣልኑር ብኣቦ-መንበርነት ክመርሕ ብምምራጽ ፈላሚ ኣኼብኣ ዛዚማ።

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ኤዲኪ
05 ለካቲት 2013

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top