ደምዳሚ መግለጺ 2ይ ህጹጽ ዉድባዊ ጉባኤ ምንቕስቃስ ንዲሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ /ም.ደ.ፍ.ኤ/


እቲ 2ይ ህጹጽ ዉድባዊ ጉባኤ ም.ደ.ፍ.ኤ ንዳግማይ ትንሳኤ፤ ኩሉ ዓቕምታትና ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ይቕናዕ!፤ ምስጢር ህላወና ቅኑዕ ዕላማናን ዘይሕለል ቃልስናን’ዩ!›› ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖታት ዝተሳላሰለ 2ይ ጉባኤ ዳግማይ ትንሳኤ ምደፍኤ፡ ካብ ዕለት 03 – 05 ለካቲት 2013 ብዓወት ተዛዚሙ፡፡

ካልኣይ ዉድባዊ ጉባኤ ምደፍኤ፡ ናብዚ ታሪኻዊ ጉባኤ ቅድሚ ምእታዉ፡ ክልተ መዓልትን ፈረቓን ዝወደአ ፡ መስመራዊ ናይ ኣረኣእያ ጽርየት እነረጋግጸሉ ብሓደ ወገን፡ ውድብ ካብ ኣትይዎ ዝጸንሐ ዓሚቕ ዉሽጣዊ ቅልውላው ንምንጋፍን ውድባዊ ጽርየትና ንምሕላውን ዘገልግል ከኣ ነቲ ሓደ ወገን ዝጠመተ ውድባዊ ሰሚናር ኣካይዱ፡፡ ኣብ’ቲ ዉድባዊ ሰሚናር ዝረኣዮም ዛዕባታት ድማ፡ ህሉው ኩነታት ሃገርና(ብኩሉ መዳይ)ን ተመኩሮ ዉድብና፡ ካብ ምስረታ ክሳብ’ዚ ጉባኤን ዝብሉ ኔይሮም፡፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ኩነታት ህዝብናን ኩነታት ደምበ ተቓውሞ ሃገርናን ብኩሉ መዳይ ብዕምቖት ገምጊሙ፡፡

ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ፡ ገባቲ ባህርይት ስርዓት ዉልቀ-መላኺ ኢስያስ ኣፈወርቂ ኣብ’ቲ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ፡ ህዝብና ካብ ህሉው ንታሕቲ ካብ ሙዉት ከኣ ንላዕሊ ኮይኖም ናይ ‹‹ኣፍ-ኣርክቡ›› ጻዊዕት ይገብሩ ምህላዎም ገምጊሙ፡፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ብርሰትን ዕንወትን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8424

Posted by on Feb 8 2013 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. Both comments and pings are currently closed.

Comments are closed

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net