ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከተማ ሎንደን

መቀጸልታ ናይቲ ኣብ መላእ ኩርናዕ ዓለም ንደገፍ ምንቅስቃስ 21 ጥሪ ዝካየድ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ብዓርቢ ዕለት 22 የካቲት 2013 ኣብ ከተማ ሎንደን ዓባይ ብሪጣንያ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

ነቲ ዝዋዓለ ብርቱዕ ዛሕሊ ጭራስ ግምት ከይሃቡ፡ ካብ ኩሉ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ፓለቲካውያን ውድባት፡ ቤርጌሳውያን ማሕበራት፡ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡውን ህጻናት ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ከይተረፉ ዝተኻፈልዎ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ኣስታት ፍርቂ ሳዓት ናይ እግሪ ጉዕዞ ድሕሪ ምኻድ፡ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ስርዓት ጭፍራ ህግደፍ፡ ንምንቅስቃስ 21 ጥሪ ዝድገፍን ዝገልጽን ዝተፈላለየ ጭሮሖታት፤ » ቅዋም ይተግበር፡ እሱራትና ይፈትሑ፡ ፍትሒ ይንገስ » ዝብል ጭሮሖታት ብቃልን ብጽሑፍን ክቃላሕ ኣምሲዩ። እዚ ማላት ድማ ናይ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኣብቂዑ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለሉ፡ ኣብ ሃገሩ ብሰላም ቀሲኑ ዝነብረላ፡ ብቅዋም እትማሓደር፡ ፍትሒ ዝነገሳ ሃገር ንምትካል ሙዃኑ ርዱእ እዩ።

ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ኣልጀዚራን አይ.ኤፍ.ፒን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ማዕከናት ዜናን ተረኺቦም፡ ነቲ ብርክት ዝበለ ህላውነት ቁጽሪ ፓሊስ መበገሲኡ ንምፍላጥ ዝተፈላለየ ቃለ-መሓተት ኣካይዶም። እቲ ምኽንያት ድማ፡ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ በቲ ብጀጋኑና ዘጋጠሞ ራዕዲ ዝያዳ ሓለዋ ክግበረሉ ከም ዝሓተተ፡ ፓሊስ ባዕላቶም ዘራጋገጽዎ ጭብጢ እዩ ነይሩ።

ኣብ መጨረሽታ፡ ንምንቅስቃስ 21 ጥሪ ዘንጸባርቕ፡ ህዝብና ካብዚ ጨቋኒ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ተገላጊሉ ፍትሒ ዝነግሰላ ሃገር ንህዝቢ ዝውክል መንግስቲ ንምትካል ኣብ ጉኒ ኣባላት ምንቅስቃስ ፎርቶ ጠጠው ከም ዝብል፡ ዝሕበር መልእኽቲ ካብ ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ነምባሰደር ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ምሃብ ሰለማዊ ሰልፊ ብዕውት ተዛዚሙ።

ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ

22/02/2013

Email : eym4change@yahoo.co.uk

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8516

Posted by on Feb 24 2013 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net