News

ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከተማ ሎንደን

መቀጸልታ ናይቲ ኣብ መላእ ኩርናዕ ዓለም ንደገፍ ምንቅስቃስ 21 ጥሪ ዝካየድ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ብዓርቢ ዕለት 22 የካቲት 2013 ኣብ ከተማ ሎንደን ዓባይ ብሪጣንያ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

ነቲ ዝዋዓለ ብርቱዕ ዛሕሊ ጭራስ ግምት ከይሃቡ፡ ካብ ኩሉ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ፓለቲካውያን ውድባት፡ ቤርጌሳውያን ማሕበራት፡ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡውን ህጻናት ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ከይተረፉ ዝተኻፈልዎ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ኣስታት ፍርቂ ሳዓት ናይ እግሪ ጉዕዞ ድሕሪ ምኻድ፡ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ስርዓት ጭፍራ ህግደፍ፡ ንምንቅስቃስ 21 ጥሪ ዝድገፍን ዝገልጽን ዝተፈላለየ ጭሮሖታት፤ » ቅዋም ይተግበር፡ እሱራትና ይፈትሑ፡ ፍትሒ ይንገስ » ዝብል ጭሮሖታት ብቃልን ብጽሑፍን ክቃላሕ ኣምሲዩ። እዚ ማላት ድማ ናይ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኣብቂዑ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለሉ፡ ኣብ ሃገሩ ብሰላም ቀሲኑ ዝነብረላ፡ ብቅዋም እትማሓደር፡ ፍትሒ ዝነገሳ ሃገር ንምትካል ሙዃኑ ርዱእ እዩ።

ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ኣልጀዚራን አይ.ኤፍ.ፒን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ማዕከናት ዜናን ተረኺቦም፡ ነቲ ብርክት ዝበለ ህላውነት ቁጽሪ ፓሊስ መበገሲኡ ንምፍላጥ ዝተፈላለየ ቃለ-መሓተት ኣካይዶም። እቲ ምኽንያት ድማ፡ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ በቲ ብጀጋኑና ዘጋጠሞ ራዕዲ ዝያዳ ሓለዋ ክግበረሉ ከም ዝሓተተ፡ ፓሊስ ባዕላቶም ዘራጋገጽዎ ጭብጢ እዩ ነይሩ።

ኣብ መጨረሽታ፡ ንምንቅስቃስ 21 ጥሪ ዘንጸባርቕ፡ ህዝብና ካብዚ ጨቋኒ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ተገላጊሉ ፍትሒ ዝነግሰላ ሃገር ንህዝቢ ዝውክል መንግስቲ ንምትካል ኣብ ጉኒ ኣባላት ምንቅስቃስ ፎርቶ ጠጠው ከም ዝብል፡ ዝሕበር መልእኽቲ ካብ ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ነምባሰደር ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ምሃብ ሰለማዊ ሰልፊ ብዕውት ተዛዚሙ።

ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ

22/02/2013

Email : eym4change@yahoo.co.uk

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top