ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?

እዛ ትስዕብ ግጥሚ ብዕለት 21 ጥቅምቲ ኣብ (ኤሪትረያን ኣል ሕዋር ኣል ዋጣኒ ሩም1) ኣጋጣሚ ወርሓዊ ዝኽሪ ታሪኻዊት ስርሒት ፎርቶን ዝኽሪ ጅግና ስዉእ / ስዒድ ዓሊ(ወዲ ዓሊ) እተነበብት ናይ ደበስ ግጥሚ ኢያ፡

ሰናይ ንባብ ዓድ ካብ ስደት ዕለት 21 ጥቅምቲ 2013

 

ወየ ወየ ወየ ሓቂ ድዩ ወዲ ዓሊ ዓሪፉ

ሓቂ ድዩ / ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?

ምእንቲ ፍትሕን መሰልን ህይወቱ ኣሕሊፉ

እነሆ ህዝብና ብድሕሪኡ ተጠርኒፉ

ረቢ ይርሓሞ ጽቡቕ ዝና ኣትሪፉ

በቲ ንጹህ ደሙ ሓዲሽ ታሪኽ ጽሒፉ

* * * * *

ሓቂ ድዩ / ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?

* * * * *

ንውልቀ መላኺ ካብ ትዕቢቱ ኣጽዲፉ

መንግዲ ፍትሒ ከፊቱልና ኣጽፊፉ

መንእሰይ ኩሉ ምእንቲ ፍትሒ ተሰሊፉ

ሰላም ንኸስፍን ንህግደፍ ገሊ’ፉ

* * * * *

ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?

* * * * *

ታሪኹ ንምጽላም ኢሎም ነፍሱ ኣሕሊፉ

ስለ ዝገረሞም ብኸመይ ስልጣን ውልቂ መላኺ ተንኪፉ

ህዝብና ይብል እሉ ይኺደልና ኩርሲ ገዲፉ

ወዮ ተዋስኦ ዝበሎስ እነሆ ዓብዩ ገዚፉ

* * * * *

ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?

* * * * *

ውልቀ-መላኺ ብሕቡእ ዝሕለቁሉ እሰሊፉ

ኣጆኻ እንተበልዎስ ኣይመሰሎን ተተንኪፉ

ደጊም ኣኺልዎ ማህሚኑ ሰኒፉ

ሓቂ ንምሽፋን ንዓመታት ለፍሊፉ

ኩሉ ፎእ ኢልዎ ምስ ደቀኢመዛሙርቱ ተሪፉ

መዓልቱ ይቆጽር ኣሎ ክኸይድ ተገሊፉ

* * * * *

ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?

* * * * *

ባዕሎም ዝቀተልዎ ኣቃጽዮም

ተኻሪጁ ኢሎም  በሽካዕላል ኣብ ፓልቶክ ኣውርዮም

መሲሉዎም ዳአምበር እንዳ ንህቢ ተንክዮም

ክኸዱ’ዮም ምስ ምስ ጎይትኦም ብመርገም ተሰንዮም

* * * * *

 

 

 

 

ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?

* * * * *

መእተዊኹም ድለዩ ኣንቱም መጣቃዕቲ

ህይወት ጅግና ወዲ ዓሊ ገይርኩምዎ መጻወቲ

ጉድኩም ተቃሊዑ ኣብ ቅርዓት መገዲ

ደጊም ኣብቂዑ’ዩ ናይ ጎይታኹም ዘውዲ

* * * * *

ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?

* * * * *

መልእኽትን ጻውዒትን ንብጾት ወዲ ዓሊ

ይትረፍኩም ምስ ኢሳያስ ምል’ዛብ ብዓቕሊ

ኣይ አመሉን ኣይ ለመዶን ውትሩ መታለሊ

ብስም ስውኣት ሸቃጢ መሽካዕለሊ

* * * * *

ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?

* * * * *

ህዝብና ደጊም ጸላእትኻ ኣለሊ

ኣብ ደይ ሰምዓካ ደብሪ ሱቅ ኢልካ እይትጸሊ

ብትብዓት ግጠሞ ነዚ ጸረ ልምዓት ጸረ ጠሊ’

* * * * *

ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?

* * * * *

ኣንቲ ኤረይ ኩሕሎ

ራህዋኺ ቀሪቡሎ

ወዲ ኣፎም ክዕሎ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8511

Posted by on Feb 24 2013 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net