ኣብ ኦስሎ – ኖርወይ ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ተኻይዱ፡፡

ብኤርትራዊ  ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዞባ ኤውሮጳ  ኣብ ከተማ ኦስሎ – ኖርወይ፣ ኣብ ትሕቲ “ብሓባር  ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደምክራስያዊ ለውጢ ንቃለስ” ዝብል ጭርሖ  ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ብዓብይ ዓወት ተዛዚሙ። እዚ ቀዳም  ዕለት 23 ለካቲት 2013  ዝተኻየደ  ኣኼባ ብኣባላት  መሪሕነት   ኤ. ሃ. ባ. ዲ. ለ ዞባ ኤውሮጳ፣

1. ኣቶ ደስበለ መሓሪ ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶ ዞባ ኤውሮፓ

2. ኣቶ ነጋሽ ዑስማን ሓላፊ ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን ዝተመርሐ ኢዩ ነይሩ።

እቲ መጸዋዕታ ንኹሉ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ዝግደስ ኤርትራዊ ዜጋ ዝዕድም ክፉት  ስለዝነበረ፣ካብ 50/60 ዝኣኽሉ ዜጋታት ዝተሳተፍዎ ፣ ማሕበራውን ባህርያውን  ኣተሃላልዋ ሕብረተ ሰብና  ዘንጸባርቕ ብምንባሩ ብዓይነቱ ፍሉይ ነይሩ ክበሃል ይካኣል፡ ፡

ብመሰረት ኣጀንዳ ኣኼባ፡ ኣቐዲሙ በቶም ኣብ ከተማ ኦስሎ ዝርከቡ ተሓጋገዝቲ ሽማግለ ሃገራዊ ኮምሽን ነበር ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ 2011 ኤ.ሃ.ባ.ዲ ንምቓም ብደረጃ ኦስሎ ዝተገብረ ንጥፈታት ብስእላዊ መግለጺ ብዝተሰነየ ሕጽር ዝበለ መብርሂ ቀሪቡ። ቀጺሉ ብመሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ ዞባ ኤውሮጳ፡  ኣብ ክልተ ዓበይቲ ዛዕባታት ዘተኮረ ሰፊሕ መብሪሂ ቀሪቡ። እቶም ዛዕባታት ድማ፡

  • ኤርትራዊ  ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ካብ ጉባኤ ኣዋሳ ክሳብ ሎሚ፣
  • መደብ ስራሓት ሃገራዊ ባይቶ ዞባ ኤውሮጳ።

በቲ ኣርእስትታት መሰረት ጉባኤ ኣዋሳ ዘቖሞም ኣካላትን  ዘጽደቖም ሰነዳትን ብምዝርዛር፣ ብልጫታትን ሕጽረታትን ናይ‘ቲ ኣካላትን ሰነዳትን  ብምግምጋም ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂቡ። ከምኡ’ውን እቲ ድሕሪ ጉባኤ ኣዋሳ ዝተራእየ ኩነታት ብግሉጽ ቀሪቡ።ቀጺሉ ድማ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ከመይ ከም ዝተኻየደን፣ እቲ ዝሓለፈ ውሳኔታትን መደብ ስርሓትን ብዝርዝር ተገሊጹን፣ዝተኣታተወ ኣገባብ ኣሰራርሓን መምርሕን ብሓጺር በሪሁ።

ንተሳታፊ ኣኼባ ኦስሎ ኣጸቢቑ ዝመሰጦ ዓብይ ነጥቢ እንተሎ፡ እዞም ኣባላት መሪሕነት እዚኦም ኣዝዩ ግልጺ ብዝኾነ ኣገባብ ኩሉ ናይቲ ባይቶ ንጥፈታት፣ማለት ኣወንታውን ኣሉታውን ጎድንታቱን ከምኡ‘ውን ዘጋጠሞ ብድሆታትን ነዚ እውን ባይቶ ከመይ ገይሩ ከምዝሰገሮን ዝምልከት ዘቕረብዎ መብርሂ ኢዩ፡፡

ብድሕሪዚ ነቲ ካብ ህዝቢ ዝቀረበሎም ሕቶታት ዘዕግብ መልሲ ድሕሪ ምሃብ ናብቲ ዝስዕብ ፕሮግራም ፣ኣቃውማን  መደብ ስርሓት ዞባ ኤውሮጳን ዝብል ኣርእስቲ ብምእታው ሓጺር መግለጽን ኣብቲ ዝተፈላለየ ከተማታት ኤውሮጳ ዝቖማ ሽማግለታት ብኸመይ ከምዝቖማን ኣብነታት ብምቕራብ፣ ኣብ ኦስሎ ክትቆመሉ ዝከኣል ንኽዝተየሉ ሓሳብ ኣቕሪቦም። በቲ ዝተገብረ ምርድዳእ መሰረት ድማ  ብትሽዓተ ኣባላት ዝቖመት ሽማግለ ካብ ህዝቢ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ተመሪጻ።  እታ ዝቖመት  ሽማግለ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ኣተሃላልዋ ሕብረተሰብና ተንጸባርቕ ኮይና፣ መንእሰያት፤ ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ኣካላት ሕብርተሰብናን ዝሓቖፈት ምዃና ሓደ ካብ‘ቲ ኣኼባ ኦስሎ ዕዉት ዝገበረ ረቛሒ ኢዩ ነይሩ።

ቀጥታ ድሕሪ ምዝዛም ኣኼባ፡ እታ ዝተመርጸት ሽማግለ ቀዳማይ ኣኼባ ብምክያድ ናይ ስራሕ ምምቕቓል ከም ዝገበረት ንሕብር።

ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ኣብ ካልኦት ከተማታት ኖርወይ ህዝባዊ ሽማግለታት ንምቛም ህዝባዊ ኣኼባታት ከተካይድ ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ዝተቐረበ መግለጺን ብተሳተፍቲ ንዝቐረበ ሕቶታት ዝተዋህበ መብርህን ኣዕጋቢ ብምባሩ ኣኼባ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝኣክል ብህዱእን ክፉትን መንፈስ ድሕሪ ምክያድ ተደምዲሙ

ኣብ መጨረስታ ካብቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ሃናጺ ለበዋን መተሓሳሰብን ነቶም ኣባላት መርሕነት ሃገራዊ ባይቶ ድሕሪ ምቕራብ፣  ኣብ ጎድኒ  ኤ.ሃ.ባ.ዲ.ለ ኮይኑ ክቃለስ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ ኣኼባ ብዝክረ ስውኣት ተዓጽዩ።

 

ኣዳላዊት ሽማግለ ኣኼባ ኦስሎ – ኖርወይ

24 ለካቲት 2013

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8546

Posted by on Feb 26 2013 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net