ኤርትራዊ ትካል ንማሕበራዊ ፍትሕን ምዕባለን (ኤ.ት.ማ.ፍ.ም.)

መስራቲ አዋጅ

ስለምንታይ እዚ ትካል ክምስረት ተደልዩ?

አብዚ ዘለናዮ መዋእል ህዝቢ ዓለም ኩሎም መሰላቱ ማለት መሰረታዊ ሰብአዊ መሰላቱ: ከም ሓሳብካ ብነጻ ምግላጽ: ሃይማኖታዊ ነጻነት: ነጻ ፕሬስ: ናይ ገዛእ ርእስኻ መሬት ምውናን: ዜግነታዊ ማዕርነቱ ብዝለዓለ ደረጃታት አብ ዝሕለወሉ ዘሎ ግዜ: ህዝቢ ኤርትራ ግን ኩሎም እዞም አብ ላዕሊ ዝተጥቅሱን ካልኦትን መሰረታውያን መሰላት አህዛብ ተነፊጉዎ ይርከብ::

ብካልእ ወገን ድማ ብአሽሓት ዝቅጾሩ ኤርትራውያን የሕዋትናን አሓትናን ብብዝሒ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብምስዳድ አብዘን ሃገራት እዚእን አብ ዝርከቡ መዓስከር ስደተኛታት ንምግላጹ ዘሽግር አድራዕን መከራን ይረኽቡ ምህላዎም ጥራሕ ዘይኮነስ አብ ውሽጢ ሃገር እውን እንተኾነ ብሰንኪ እቲ መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ዕጹውን ድሩትን ናይ ወጻኢ ፖሊሲታቱ ናይ ወጻኢ ናይ ረድኤትን ምዕባለን ትካላት ከእትዋ ስለ ዝኽልከላ እቲ ካብአን ክርከብ ዝከአል ኩሉ ዓይነት ሓገዛት ተሓሪሙ አብ አዝዩ ከቢድ ዝኾነ ጸገም ይርከብ::

ብሓጺር አዘራርባ ማሕበራዊ ፍትሕን ምዕባለን አብ ሃገርና ኤርትራ ስለዝተሳእነ ትካልና አብ ወጻኢ ማለት አብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝርከቡ ግዱሳት ኤርትራውያን ንጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን አብ ማሕበረሰብ ሃገረ ኣሜሪካ ማለት አብ ኩሉ ጽፍሕታት መንግስታዊ ትካላት ኮንግረስ ሕትመትን መራኸቢ ብዙሓትን ብሓፈሻ አብ መንጎ ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን ድምጽና ንምቕላሕን ኩሉ ዓይነታዊ ሓገዛት ክርከበሉ ንምጽዓት ዝተመስረተ ማሕበር ኢዩ::

ዕላማና:

ትካልና ዘይመኽሰባዊ ኮይኑ ብዕሊ ምስ ኩለን ዘይመኽሰባውያን ትካላት አብ ሕቡራት መንግስትታት ኣሜሪካ (ሕ መ ኤ) ብወግዒን  ብሕግን ዝተመዝገበ ኮይኑ ዕላማታቱ ድማ ብኸምዚ ዝስዕብ ይግለጽ፡

1. ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ አብ ኩሉ ጽፍሕታት ናይዚ ሃገር’ዚ (ሕ መ ኣ) ዓለምን ተፈላጥነት ክረክብን ንኩሉ አብ ሃገርና ዝካየዱ ዘለዉ ዘይፍትሓዊ ፖሊሲታትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጠጠው ንምባል ምስራሕ፡፡

2. እቲ ቅኑዕን ንጹርን ዝኾነ ታሪኽን ባህልን ኤርትራ ንህዝቢን ንኹሎም ዘይመንግስታውያን ትካላት ንምቕራብ፡፡

3. ናይ ረድኤትን ምዕባለን መደባት ብምቕራብ ንኹሎም ኤርትራውያን አብ መዓስከር ስደተኛታት ናይ ጎረበት ሃገራት ዝርከቡ እንተከኢሉ ድማ አብ ውሽጢ ሃገር ንዝርከቡ ዜጋታት ተጠቐምቲ ንምግባር፡፡

4. ሰነዳት ብምእካብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መጽናዕትታትን ዎርክሾፓትን ንምክያድ፡ ንኤርትራን ኤርትራውያን አመልኪቱ ንኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኤርትራውያን ብምጥርናፍን ምትሕብባርን ፍትሕን ምዕባለን ንኤርትራን  ንኤርትራውያንን ንምምጻእ ጻዕርታት የካይድ፡

ትካልና መቀጸልታ ናይተን ቁጽረን እንዳወሰኸ ዝኸዳ ዘለዋ ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ዘይኮነስ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብና ብምርሳዕ ወይ ብምንጻግ ተፈጢሩ ዘሎ ሃጋፋት ንምዕጻው (ንምምላእን) ብኡኡ መሰረት ድማ ንምስራሕ ኢዩ::

ብዝሒ ፖለቲካዊ ስልፍታትን ብርጌሳዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ክትዓት ብምክያድ መግለጺታት ብምውጻእን ብዙሕ ግዜ አብ አኸባታትን ኮንፈረሳት ብምጥፋእ አይኮነን ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነግስ፡ እንታይ ድኣ ማሕበራዊ ፍትሒ ብቁኑዕ ተበግሶ፣ ቅኑዕ ሓሳብን ተበጊስካ ንኤርትራውያን ብሓፍሻ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ብፍላይ አስተምህሮ ብምሃብን ዓቅሞም ክብ ብምባልን ኩሉ መዳያዊ ተግባራዊ ተበግሶታት ብምውሳድን አድላይ ለውጥታት አብ ምምጻእ ከም ዝኽእሉ አብ ምግባርን ካብ ዝብል መሰረታዊ ሓሳባት ንነቕል፡፡

ንሕና መን ኢና?

ንሕና አካል ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝኾና ተራ ወልቀሰባት አብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንነብር ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለያ ብሄራት ኤርትራ ኮይና ካብ ኩሉ ብሄርን፣ ሃይማኖትን ቓንቓን ደረጃ ሕብረተሰብን ኩሉ ሸነኻዊ መዳያት ሕብረተሰብና ዝበቆልና ኮይና እምንቶና ድማ ናይ ሞራል ሓላፍነት ስለዝምልከተና – ነቲ ድምጺ ዘይብሉ ሓጋዚ አልቦ ዝኾነ ህዝብና ድምጽን ሓገዝን ኮይና ከነገልግሎ ዝብል ኮይኑ  ብሓባር ዘምጸኣና ጉዳይ ድማ “ድልየት” ገለ ነገር ምግባር ነዚ አብ ልዕሊ  አሕዋትናን ኣሓትናን ዝፍጸም ዘሎ ነገራት ተፈላጥነት ንምርካብ ምስራሕ፡፡

ጠመተና

ማሕበራዊ ፍትሕን ፖለቲካዊ ጽገናን አብ ምምጻእ ዝዕንቅፈና ክልተ ድኹማት ጎድንታት አለዉና ንሕና ከም ሕብረተስብ ኮይኑ፡

1. አብ ክንዲ ህዝብና ኬይና ተሪርን ሓያልን ዝኾነ ድምጽና አብ ሕቡራት መንግስትታት አሜሪካ (ሕ.መ.ኣ) ኢሮጳን ከነሰምዕ ምኽአል ማለት ነቲ አብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ብዝምልከት ንኹሎም አብ እንነብረሎም ዘለና ሃገራት ዝርከቡ መንግስታውያን ብርጌሳውያንን ህዝባውያን ማሕበራት አብ ሃገርና ማሕበራዊ ፍትሕን ፖለቲካዊ ጽገናን ክካየድ ክጣበቀልናን ከስመዓልናን ምግባር፡

አገዳስነት ናይዘን ዝተፈላለያ ትካላት’ዚአን አብ ሳልሳይ ዓለም ምዕሩይ ምሕደራ ማሕበራዊ ፍትሒ ፖለቲካዊ ጽገና ንኽግበር አድላይነቱ ዘይከሓድ ስለዝኾነ ከም አብነት ትማሊ ጸጥታ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት አብ ሃገርና ብሰንኪ መሪሕነትና ብዝመጸ ጸግም ዝወሰዶ ማዕቆብ ንኹሉ ዓይነት በደላት ናይቲ ስርዓት አብ ሃገርን ህዝቢን ዝፍጽሞ ዘሎ ጎሲዩ  በቲ  ንሱ  ዘካየዶ ምትእትታው አብ ሶማልያ ጥራሕ ክኽሰስ ምግባሩ ናትና ድምጺ ክስማዕ ስለዘይከአለ ኢዩ፡፡

2. መደባት ረድኤትን ናይ ምዕባለ መደባትን ነቶም ኩሎም ሃገር ገዲፎም  ናብ ስደት  ዘምርሑ  ዘለዉ ዜጋታት ብሰንኪ መሪር መግዛእትን በደላትን ናይቲ ምልካዊ ስርዓት  አብተን ብስደት ዝርከቡለን ዘለዋ ጎረባብቲ  ሃገራት ማለት ሱዳንን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ክረኽቡን ክሕገዙን ምግባር  እዚ ድማ  ኩለን ናይ ተቓውሞ ውድባት ንዓለም ለኻዊ ማሕበረሰብ ስምዕታ ምቕራብ ናይ ተግባር ግብረመልሲ ከይገበራ ምትራፍ ጥራሕ ኢና  አብ ዝካየድ አኸባታትና ኮንፍረሳትናን ዝረአ ዘሎ፡፡

እወ ክንገብር ንኽእል ኢና

ንሕና ኤርትራውያን አብ አሜሪካን ኢሮጳን እንርከብ ባዶሽ መጸዋዕታ ጥራሕ ዘይኮነስ ተግባራዊ ነገራት ክንገብር  ንኹሎም አሓትናን አሕዋትናን አብ ውሽጥን ደገን ብፍላይ ድማ አብ መዓስከር  ስደተኛታት ኢና ክንዝርግሕ ክንሕግዝ ንኽእል፡  ካብኡ ሓሊፍና ድማ ነቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ቆላሕታ ናይ ማሕበረሰብ ዓለምን ዓለምለኻዊ ናይ ረድኤት ትካላትን ከምዝኽእሉ ክንገብር ንኽእል፡፡

እዚ ኹሉ አብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ጉዳያት ግን ብዘይ ጥርናፈ ስለዘይከአል ክንውደብን ክንጥርነፍን ይግባእ፡፡

ነቶም ስቅታ መሪጾም ደቂሶም ዘለዉ ደቂ ሃገር  ብምብርባር ገለ ነገር ንህዝቦም ክሕግዙ እንተደለዩ ብኸመይ  ከምዝትግብሩዎ ዝጠፍኦም  ምብርባርን ተሳትፍኦም ከምዝዕዝዙ ምግባር ኢዩ  እዚ ድማ ሓደ ካብ ዕላማታት ናይ ትካልና ኢዩ፡፡

ንሕና ድማ  ትካልና ከም መንኮርኮር  ናይቶም ሓሳባትን ጻዕርታትን ከይና ናይ ብሓቂ  ለውጢ ንኽህሉ ንኹሉ ህዝብና ብፍላይ ድማ አብ አሜሪካ ንዝርከብ አብዚ ጉዳይ’ዚ ክጽንበርን  ፍልጠቱን ፍሉይ ክእለቱን  ትዕድልቱን አብዚ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ከውዕሎ ንጽውዕን ንዕድምን፡፡

እንተደአ ዕላማናን ሽቶናን ሓደ ኢዩ ኢልኩም ተአምኑ ከይንኩም፡  በዚ ኢሜይል’ዚ ተወከሱና፡

eritreanfoundation@gmail.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=859

Posted by on Jun 29 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net