ናይ ደገፍ መልእኽትና: ንሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ/ ፈስቲቫል ቦሎኛ

sesaduስዊደናዊ- ኤርትራዊ ጽላል ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንኩሎም ኣባላት ፖሊቲካውን በርገሳውን ውልቀሰባትን ጠርኒፉ፣ ንሕዝቢ ኤርትራ ካብ  ጨካን ውልቀ -መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ንምድሓንን ንምሕራርን ዝቃለስ ሕዝባዊ ምንቅስቃስ ኢዩ። ውልቀ-መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብሕዝቢ ተፈንፊኑ፣ ብዞባውን ኣህጉራውን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ተነጺሉ፣ እቲ እከይ ግብሩ ድማ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ጽላለ ሰለዝበጽሔ፣ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ሓንሳብ፣ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዝትምነ እንተሎ ኣብ ካልእ ፕላነት ዝነብር ክኸውን ኣለዎ ክብል ጸኒሑ ሎምዘመን ድማ ካብቲ ብዙሕ ድቃሱ ብድግ ኢሉ፣ ሓዲሽ ቅዋም ክንደፍ ኣዊጁ፣ እቶም ሰዓብቱ ጁጅ ማጁጅ ድማ መበል 40 ዓመት ዝኽሪ ቦሎኛ ብዝብል ናይ ሳዕሳዒትን ዳንከራን ክገብሩ ይሸባሸቡ ኣለዉ፣ እዞም ነዚ ውልቀ-መላኺ ዘምልኹ እምበርዶ ኤርትራውያን ኢዮም፣ሎሚ ይትረፍ ኤርትራውያን ዓለም ብዓለማ ብሰንኪ እዚ ጨካን ስርዓት መናእስይ ኤርትራ ብሽሓት ኣብ ማያት ውቅያኖሳትን ባሕርታትን ቀለብ ዓሳን ግዳይ ናይ ሰብ ነጋዶን ኮይኖም ኣብ ዘለዉሉን ፣ ረሳታት ናይ 365 ኤርትራውያን ኣብ ዝተቀብርሉ ዓለም ገና በዚ ናይ ላምፐዱሳ ጉዳይ እንታይ ኢዩ ጉዱ እዚ መንእሰይ ኤርትራ ሰልምንታይ ኢዩ ኣብዚ ኩሉ ሓደጋት ዝመውት ዘሎ እናበለ ኣብ ምፍትሑ እንታይ ንግበር ኣብ ዝብል እናተዛተየ ከሎ ብሽም ኤርትራን ሕዝባን ድማ ኣብ ቦሎኛ ናይ ዕብዳን ፈስቲቫል ክግበር ከሎ፣ማሕበረሰብ ዓለም እውን ንኣቃልቡኡ ክልውጥ ወይ ዳግመ – ርእይቶ ክገብር ክድርኾ ኢዩ።

 

ኦ ንጥፍኣት ሕዝቢ ኤርትራ ዝተዓጠቅኩም ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ቦሎኛ፣

 

መኣስ ኢኹም ክትሓስቡ፣ ክሳብ መኣስ ኢኹም ብዕሽነትኩምን ብፍርሕን ክትነብሩ፣ ወዲ ኣፎም ክትብሉ ወላ እታ ሒይወትኩም እውን ከተማሕድሩ ኣይከልኩምን፣ ወዲ ኣፎም ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ኩሉ ግዜ ከታልለኩም፣ ኣቱም ርኢኹም ከምዘረኤኹም፣ ሰሚዕኩም ከምዘይሰማዕኩም፣ደጋጊምና ሕሰቡ ኢልናኩም ምሕሳብ ዝኣበኹም፣ እቶም ዘጓይዩኹም ዘለዉ በዓል ማንኪ ክሻ ድራር ዕለት ኣለዎም፣እቶም ደድሕሪኦም ትጓየዩ ዘሎኹም ስነ-ጥበባውያን ትበሃሉን ካልኦት ተራ ሕዝቢ፣ እንታይ ኣበለኩም ዞኽዞኽ እዚ ኩሉ ኣብ ደሞክራስያዊ መንግስታትን ሕዝብን ተጸጊዕኩም፣ ንሕና ንመንግስትና መንግስትና ንኣና እናበልኩም ንሕዝቢ ኤርትራ ዝጸንት ዘሎ ውልቀ-መላኺ ምምላኹም ንርእሱ እተን እትቀመጡለን ሃገራት ናትኩም ኩነታት ዳግመ -ርእይቶ ገረን ናብቲ ተምልኽዎ መንግስትኹም ከመልሱኹም ኣብ መጽናዕቲ ኣለዉ፣ እዚ ስጉምቲ እውን ርሑቅ የለን። ኣቱም ጁጅ ማጁጅ ወርቃዊ ግዜኹምን ገንዘብኩምን ኣብ ቦሎኛ ንውልቀ መላኺ ዕድመ-ስልጣኑ ንምንዋሕ እተገብርዎ ኣብ ካልእ ኣፍራዪ ንነፍስኹምን ሕዝብኹምን ግዳ ዘይትሓስቡ።

 

ንሕና ደንበ ኤርትራውያን ተቃለስቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ፣ በዚ ናትኩም ተኸብኺብኹም እትገብርዎ ፈስቲቫል ኣብ ልዕሊ ረሳታት መንእሰያትና ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ድማ ረሳታት ላምፐዱሳ ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ምፍላጥ እተጣቅዑ ዘሎኹም፣ ሕድሪ ስዉኣት ጠሊምኩም ንሕዝብና ምስ ዘጽንት ውልቀ-መላኺ ምትሕብባርኩም ጽባሕ ዘሕትት ምዃኑ ከነዘኻኽረኩም ንፈቱ።

 

ኦ ንድሕነት ሕዝቢ ኤርትራ ትቃለሱ ውፉያት ኤርትራውያን ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ!

 

ክቡራንን ክቡራትን ወደብትን ኣካየድትን ሰላማዊ ሰልፊ ቦሎኛ!

 

እቲ ንጥፋትን ብርሰትን ሕዝቢ ኤርትራ ኣንጊሁ ዝተንስኤ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ብከንቱ መብጽዓታትን ሓሶትን፣ ሎሚ ድማ ቦሎኛ ትብል ካርታ ሒዙ ነቶም ደድሕሪኡ ዞኽ ዞኽ ዝብሉ ኣብ ፈስቲቫል ቦሎኛ የራኽበና እናበላ በታ መሽረፍት ተቨ-ኤረ ገሩ ሕዝቢ የለዓዕል ኣሎ፣ ምዑታት ተቃለስቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ድማ ነዚ ዳንከራ እዚ ንምፍሻል ካብ መላእ ዓለም ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ይቃለሱ ኣለዉ፣ እዚ ሰልፊ እዚ ንኢሳያስን እቶም ደድሕሪኡ  ዞኽ ዞኽ ዝብሉን ተባሪዑ ክልብልቦም ኢዩ። ሎሚ ህግድፍ ኣብ ኤውሮጳ ይኹን ኣመሪካ ደቂሱ ኣይሓድርን ኢዩ፡፤

 

ጽላል ስዊደናዊ-ኤርትራዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ስዊደን  ነዚ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ፈስቲቫል ቦሎኛ ዝግበር ከምዝድግፍ በዛ ሓጻር ናይ ደገፍ መልእኽቱ ክሕብር ይፈቱ።

 

 

ምስ ሕውነታዊ ሰላምታ

 

አካያዲት ኣካል ጽላል ስዊደናዊ-ኤርትራዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ / SESADU

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8642

Posted by on Jun 25 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net