ዕዉት አኼባ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ከተማ ሮቶርዳም – ሆላንድ

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ጨንፈር ሆላንድ ዳግማይ ስርርዕ ድሕሪ ምክያድ፡ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ተቓውሞ ደምበን፡ ከምኡ’ውን ውድብ ዝሓለፎ ቅልውላው  ንምብራህን፡ ንገለ ኣገደስቲ ሃገራውያን ባእታታት ብምዕዳም ብቀዳም ዕለት 19-07-2014 ምርድዳእን ምትዕግጋብን ዝሰፈኖ ዕውት ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብቲ ኣኼባ ዝተለዕለ ቀንዲ ኣጀንዳ እዞም ዝስዕቡ’ዮም ነይሮም፡-

  • ብዛዕባ ዝሓለፈ ጉባኤ ውድብናን፡ ተረድኦና ብዛዕባ ለውጢን ዝበሃል ኣምርን፣
  • ኣገባብን ስርዕIትን ዝሰሓተ ምትሕንፋጽ ሰራዊትናን ምስ ሰራዊት ምደፍአን፣
  • ሓድነት ውድብና ንምዕቓብ ብመሪሕነትን መሰረታትን መሓዙት ውድባትን ዝተኻየዱ ጻዕርታት፣
  • ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶና፡ ኣድላይነቱን ሕጋውነቱን፣
  • መርገጽ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይና ኣብዚ ግዜ’ዚ፣
  • ስትራተጃዊ ምልማላን መዐቀንን መሪሕነት፣

 

ብዛዕባ’ዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ኣርእስትታት፡ ብዓበይቲ ካድራትን መሪሕነት ጨንፈርን  ሰፊሕ ገለጻ  ድሕሪ ምሃብ፡ መድረኽ ሕቶን መልስን ተኸፍተ። ገለ ካብ’ቶም ዝቐረቡ ሕቶታት፡ 

  • ጸረ ስምረት ኢኹም ይብልኹም፡ ነዚ ብኸመይ ትምልስዎ?

ጉዕዞና ብጉዳይ ስምረት ኣብ ዘሓለፈ ግዜያት ከመይ ከመዝነበረን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናሉ ጉዳይ ምዃኑን ብመርትዖን ጨብጥን ዝተሰነየ ወድዓዊ ትንተና ድሕሪ ምቕራብ፡ እዚ ካባና ዝተፈንጨለ ጉጅለ እዚ ኣባሃህላ’ዚ ንመሸቀጢ ዝጥቀመሉ ጉዳይ ምዃኑ ንተሳተፍቲ ኣኼባ ሰፊሕ መብርሂ ቀሪቡ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ነቲ በዛ ጉጅለ’ዚኣ ዝተፈጸመ ጥሕሰት ሕግን ስርዒትን ከምኡ’ውን ኣገባባ ዝሰሓተ ስምምዓት ምግባርን ዳርጋ ብኹሉ ኣባላ ውድብን ብዝላዓለ ቍጽሪ ኣባላት መሪሕነት ስለ ዝተነጽገን ዝተቓለዐን፡ ንድኽመታትካ ንምሽፋን ተባሂሉ ዝተመህዘ ምዃኑ ብተወሳኺ በሪሁ።

  • እቲ ሽግር ኣብ ውድብኩም ምጥፍፋእ ገንዘብ ስለ ዝሳዕረረ ኢዩ ይብሉ፡ ነዚ ብኸመይ ትምልስዎ?

እዚ ሕቶ’ዚ ልክዕ ዓሚ ኣቦ መንበር ነበር ዑቅባዝጊ ድቡብ ምስ መጸ ከም ጨንፈር ሓቲትናዮ፡ ንሱ ከኣ፡ “ ኣነ’ኳ ምጥፍፋእ ነይሩ ኣይብልን ኢየ፡ የግዳስ ምምሕደራዊ ጉድለታት ነይሩ ጥራሕ ኢየ ክብል ዝኽእል። ምኽንያቱ፡ ኣብ ግዜ አሰናዳዊት ሽማግለ፡ ካብ ጃብር ኣሕመድ 104 ሽሕ ብር ከም ተቀበልኩን ሰነድ ናይ ቅብሊት ስለ ዘይሓተተኒ ውን ተገሪመ ይብል”  ክብል ኣብ ቅድሚ ኩሎም ኣባላት መሊሱ ከብቅዕ፡ ሎሚ ግን ተጠውዩ ምጥፍፋእ  ነይሩ ምባል’ያ ጥራሕ ተዋጸኣኒ ብምባል፡ ክጕስጉስ ንርእዮ ኣለና። ብወገን  አውዲት ምቍጽጻር ውድብ’ውን እንተኾነ፡ ምሕደራዊ ጉድለታት እምበር ምጥፍፋእ ገንዘብ ከም ዘይነበረ ኣረጋጊጻ ኢያ።

 DehnetMetHolanddehnetMetHoland0

 

ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ሓቅታት ንኽተብርሁልና ምዕዳምኩም ቡዙሕ ከየመስገና ክንሓልፍ አይንደልን ብምባል ብለበወታትን ንብድሕሪ ሕጂ ቀጻሊ ኣኼባታት ብሓድሽ ኣርእስቲ ንኽንራኸብ ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ተበጺሑ። ኣካየድቲ ኣኼባ ብወገኖም ኣብ ዝመጽእ ግዜ ዝሰፍሐ ህዝቢ ዝሳተፎ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ከካይዱ ምዃኖም ቃል ብምእታው፡ ኣኼባ ሮተርዳም ብዓወት ተዛዚሙ።

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ

 

ግ.ሃ.ድ.ኤ. ጨንፈር ሆላንድ

20-07-2014

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8717

Posted by on Jul 23 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net