ወተሃደራውን ጽጥታውን ቤ/ጽ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ኣገዳሲ ኣኼባ ኣካይዱ።

ensf baner

ብዕለት 5 መስከረም 2014 ዓ.ም  ብሓላፊ ወተሃደራውን ጸጥታውን ቤት ጽሕፈት ብጻይ ገዛኢ ኪዳነ ዝተማእከለ፡ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ፍሉይ ናይ ኣባላት ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ። እቲ ኣኼባ፡ ምልካዊ ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን መሬትና ዝገብሮ ዘሎ ብርሰትን ጥፍኣትን ኣልዒሉ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ምይይጥ ኣብ ርእሲ ምክያዱ፡ ህዝብና ዕድመን ጾታን ብዘይፈሊ ኣገባብ ካብ’ቲ ጨካን ምሕደራ ጃንዳ ህግደፍ ኣምሊጡ ብብዝሒ ሃገሩ ገዲፉ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ምዕቋቡን፡ ብኡ ኣቢሉ ድማ ንነዊሕ ስደት ምስጣሑን ምልክት ብረሰትን ጥፍኣትን ምዃኑ እቲ ኣኼባ ኣስሚሩሉ። ኣብ ርእሲ’ዚ እዚ ዘሎናዮ እዋን ህዝብን ሃገርን ምድሓን  ብተናጸል ዘይኮነ ብጥርኑፍን ምእኩልን ኣገባብ ንበታኒ ተንኮላት ህግደፍ ምግጣሙ  ንጽባሕ ይጽናሓለይ ዘይበሃል እዋናውን ህጹጽን ጉዳይ ህዝቢ ምዃኑ እቲ ኣኸባ ከም ዝመዘነ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ። በዚ መሰረት ወተሃደራውን ጽጥታውን ቤት ጽሕፈት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ  ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ኣንጻር ህግደፍ ንዝግበር ቃልሲ ምስ ኣብ ከባቢኡ ምስ ዘለዋ ሓይልታት ኤርትራ ተወሃሂዱ ንምስራሕ ድልውነቱ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ መጨረሻ፡ ኣኼባ ዓዲ ግራት፡ እቲ ካብ ዕለት 29 ነሓሰ ክሳብ 31 ነሓሰ ኣብ እታ ታሪኻዊት ከተማ ካስል ብውድብና ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝተኻየደ ሰፊሕ ህዝባዊ ሰሚናርን፡ ብምኽኒያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኻየደ ዕዉት በዓልን እቲ ኣኼባ ኣድናቖቱ ገሊጹ። ነቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ ዝብል መሪሕ ቃል ውድቡ መሰረት ዝገበረን፡ ክምህ ብዘይብል ወኒን ዕላማን ነቲ  ሰፊሕ ህዝባዊ ሰሚናርን፡ ዓቢ ታሪኻዊ በዓልን፡ ኣብ ምዕዋቱ ጨናፍር ኤውሮጳ ዘካይድዎ ጻዕሪ ኣኼባ ኣድናቖቱን ሞጎሱን ከም ዝገለጸ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ።

ኣኼባ ዓዲ ግራት፡ ውድብና ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ገጢምዎ ዝነበረ ቅልውላው ብዕምቍት ድሕሪ ምምዛን፡ ኩሉ ኣባል ውድብ ካብ’ዚ ቅልውላው’ዚ ንምውጻእ ዘርኣዮ ንቑሕ ግደ ኣሞጊሱ። ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ዝተኻየደ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ዝተወስዱ ውሳኔታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብውሕሉል ኣገባብ ክበላሓቱ ምዃኖም ኣኼብኛታት ቃል ኣቲዮም። ኣገደስቲ ሓሳባትን ናብ መሪሕነት ዝለኣኹ ለበዋታትን ድሕሪ ምምዝጋብ ኣኼባ ዓዲ ግራት ብዓወት ከም ዝተዛዘመ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ።

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ!!”

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግ.ሃ.ድ.ኤ.

06/09/ 2014

                                             

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8872

Posted by on Sep 7 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net