News

ዮሃና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብምኽነያት ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮውሃንስ

eda

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ክርስትና ድማ ብፍላይ እንቋዕ ናብዚ ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮውሃንስ ኣብጽሓኩም ይብል። ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮውሃንስ ንህዝቢ ኤርትራ በዓል ሰላምን ፍቅርን ዓወትን ክኾነሉ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ 4ተ ጳብጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዝፍጽሞ ዘሎ ኣዕናዊ ተግባራትን ግህሰት ስብኣዊ መሰላትን ብጽሑፍ ምቅዋሞም ዘውጽኦዎ መልእኽቲ እናናኣደ ሰዓብቲ ኩሉ ሃይማኖታት ኣስሮም ብምኽታል ነቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ኢድ ምትእትታው ብምንጻግ፡ ንኣዕናዊ ጸረ ህዝቢ ፖሊሲታቱ ብምቅዋም፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምውሓስን ምጥንኻርን ክጽዕሩን፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ንምስፋን ንዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ኣብ ምድጋፍ፡ ዕዙዝ ተራኦም ክጻወቱን ይጽውዕ።

 

 

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

10 መስከረም 2014

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top