ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ

eudc

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንኣመንቲ ክርስትና ድማ ብፍላይ፡ ከምኡ’ውን ንኩሎም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ንርሑስ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ ኣመልኪቱ መልእኽቱ የመሓላልፍ። በዓል ቅዱስ ዮሃንስ 2014 ንመላእ ክፍልታት ህዝብና በዓል ሰላምን ቅሳነትን ራህዋን ክኸውን ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

 

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 23 ናይ ነጻነት ዓመታት፡ ብሰንኪ’ቲ ምስ ትጽቢታቱ ዝራጸም ኣዕናዊ ዝኾነ ፖሊስታት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ቅኑዕ ልምዓታዊ ራእይን ስትራተጂን ተሓሪሙ፡ ብግዕዘይ ኢደ-ወነናዊ ምሕደራ ተወሪሩ ፖሎቲካዊ፡ ማሕበረ-ቁጠባውን፡ ዲፕሎማስያውን፡ ባህግታቱ ተቆጽዩ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝኸፍአ ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቱ ካብ ዝግሃስ ውሑድ ዓመታት ኣየቁጸረን። ብውጽኢቱ ድማ ውሽጣዊ ሰላምን ርግኣትን ተነፊጉ፡ ካብ ጎረባብቱን ማ/ሰብ ዓለምን ተነጺሉ፡ ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ተዘሪዑ ክነብር ተገዲዱ ኣሎ። ብሳዕቤኑ ህዝቢ ብሓፈሻ እቲ ኩሉ ሃንቐውትኡ ዝጸልመቶ ኣፍራዪ ሓይሊ መንእሰይ ድማ ብፍላይ፡ ዝፈትዋ ሃገሩ ራሕሪሑ ብብዝሒ ናብ ስደት ዝውሕዘሉ ኩነታት ምህላዉ ፍጹም ሕቡእ ተርእዮ ኣይኮነን። ኣብዚ ህሞት’ዚ ኤርትራዊ ዜጋ ዘይነጠባ ሃገር ከም ዘየለ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ ንዜጋታትና ዘጋጥም ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕታትን ግህሰታትን ድማ ንኣህጉራዊ ማ/ሰብ ዓለም ዘደንጹን ዘሕዝንን ክስተት እናኾነ መጺኡ’ዩ።  ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ጸረ-ህዝቢ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ ንደሓር፡ ኩሉ ሃገራውን መንፈሳውን በዓላትና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መሪር ኩነታትን ዝተበተነ ሂወት ሕድሕድ ስድራ ቤትን ከነሕልፎ ብድሕሪ ምጽናሕና፡ ሕጂ’ውን በዓል ቅዱስ ዮሃንስ 2014 ከነብዕል ከለና ካብኡ ዝተፈለየ ውድዕነት የለን።

 

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) በዚ ክቡር ኣጋጣሚ’ዚ ነቲ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ በጺሕዎ ዘሎ ሓደገኛ ኩነታት ብግቡእ ሓላፍነት ብምግንዛብ፡ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ሓፍትኻ ኣበይ ኣላ? ብዝብል ኣርእስቲ ብመንፈሳውያን መራሕቲ ካቴሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝወጸ ተባዕ ዝኾነ ታሪኻዊ መልእኽቲ ደጊሙ ምሉእ ናእድኡን ደገፉን የረጋግጽ። ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብቲ ከዛኒ ዘይግባእ ሓደጋ ምብትታንን ዕንወትን ንምድሓን’ውን ኩሎም ዝተፈላለዩ መንፈሳውያን መራሕቲ፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ኣዴታት፡ መንእሰያት፡ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ነዚ ታሪኻዊ መልእኽቲ’ዚ ብምድጋፍ፡ እንቢ ንሕሱም ዲክታቶርያዊ መግዛእቲ እወ ንደሞክራስያዊ ስርዓት፡ እንቢ ንምብትታን እወ ንሓድነት፡ እንቢ ንዕንወት እወ ንህንጸት ሃገር፡ ክብሉ ይግባእ።

 

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

10 መስከረም 2014

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8893

Posted by on Sep 11 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net