News

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ  ነቲ ካብ ህዝቢ ዝቐርበሉ ዘሎ መጻዋዕታ ብምፍራሕ ነቲ ዝመሓላለፎ ናይ ታዕሊም መጸዋእታ ሰሪዝዎ

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ኩሎም ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ዕለታዊ ናብርኦም ወንዚፎም ንዕለት 3 ጥሪ 2015 ናብ ዝተፈላለዩ መደበራት ታዕሊም ክወርዱ ዘመሓላልፎ መጻዋዕታ: ነቲ ካብ ህዝቢ ዝቐርበሉ ዘሎ ኣብያ ብምፍራሕ፡ ነቲ መጸዋዕታ ከም ዝሰረዞ ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ሓቢሮም።

 

ከም ዝዝከር  ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ነቶም ብኣስገዳድ ብረት ኣሕንጊጥዎም ዘለዎ ኤርትራውያን ኣቦታት ናብ መደበር ታዕሊም ክወርዱ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2014 ኣትሒዙ ብተደጋጋሚ ጸዊዑ እዩ። እንተኾነ ግን እቲ  ብሕሰም ዕለታዊ መንባብሮን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ተዋሪዱ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ናይ ቃል ተቓውሞ ሰጊሩ ናብ ግብራዊ ተቓውሞ ብምስግጋር ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ጻዊዒት  ጸማም እዝኒ  ብምሃብ  ብተደጋጋሚ የበርዕኖ ከም ዘሎ ዝሓበሩ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት፡  እዚ ዘሎ ህዝባዊ ተቃውሞ ከምዚ ዘለዎ እንተ ድኣ ቀጺሉ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሓድሽ ዓመት ኣብ ኤርትራ ምልኪ ዘይጽረገሉ መኽንያት የሎን ብምባል፡ ህዝቢ ንሓርነታዊ መሰላቱ ንምውሓስ ቃልሱ ከደንፍዕ ኣዘካኺሮም።

 

ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት፡ ብ ኣብ ኤርትራን ካብ ኤርትራ ወጻእን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝካየድ ፕሮጀክት ኮይኑ: ነቲ ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ብምትእስሳር  ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምንጋስ ዝሰርሕ ፕሮጀክት‘ዩ።

 

02-ጥሪ 2015

ፕሮጀክት ዓርቢ -ሓርነት

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top