መብሩኽ ዒድ ምውልድ 2015

eudc

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደል) ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ንኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና፡ ደለይቲ ደሞክራስዊ ለውጥን ሓይልታት ምክልኻልን ዒድ መብሩኽ ዝብል ናይ ዮሃና መልእኽቱ የመሓላልፍ። ሓድሽ ዓመት 2015ን ዒድ ምውልድን ኣብ ዝኽበረሉ ዘሎ ህሞት ድማ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ጨካን ዝኾነ መንጋጋ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ተናጊፍ ሰላምን ርግኣትን ብልጽግናን ክጓናጸፍ ዘለዎ ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

 

እቲ ብ1991 ንኩሉ መሪር ቃልስታትን ረዚን መስዋእትነትን ህዝቢ ኤርትራ ብምኽሓድ፡ ብኢደ ወነኑ ኣብ ፖሎኢካዊ ስልጣን ዝተወጥሐ ገባቲ ህግደፍ፡ ንሃይማኖታውን ባህላውን ብዙሕነት ይኹን ክብርታት ህዝብና እናደፈረ ዝቕጽል ዘሎ መንግስቲ ምዃኑ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ክውንነታዊ ሓቂ’ዩ። ንእምነታት ጅሆባን ጴንጠን ከም እምነት ዜጋታት ዘይምቕባል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብኣሜርካ ዝተሰንዐን ዝተኣታተወን’ዩ ብምባል ምንሻው፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ መለለዪ ገባቲ ኢሳይያስን ስርዓቱን’ዩ። ጸሎት ዘብጽሕሉ ቀጽርታት ከይሰርሑ ምእጋድ፡ ንእምነቶም ብሓይሊ ክቕይሩ ምግዳድ፡ ክሳብ ኤርትራዊ ዜግነት ምንፋግ’ውን ዝበጽሐ ስርዓት’ዩ። ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃይማኖታት’ውን ርኡይ ዝኾነ ኢድ ምትእትታው እናካየደ፡ ንመራሕቲ ሃይማኖት ክቕይር፡ ክጨውን ክኣስርን ጸኒሑ’ዩ። ጸረ-ህዝቢ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ድማ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ሃይማኖታዊ እምነታት ኩሉ ዝከኣሎ ጃምላዊ በደላት ክፍጽም ከሎ፡ በቲ ካልእ መዳይ ድማ ሕድሕዶም ንምፍላስ፡ እዚ ስርዓት’ዚ ዘይጻሕተሮ ክጽሕትሮ እከይ ተግባራት የሎን።

 

እዚ ስርዓት’ዚ ንኩሉ ግርማን ጸጋታትን ሃይማኖታዊ ብዙሕነት ይኹን ክብርታት ህዝብና ዘየኽብር ክሳብ ዝኾነ፡ ኣብ ኤርትራ ሰናይ ፖሎቲካዊ ምሕደራ፡ ማሕበራዊ ፍትሕን ብልጽግናን ከረጋግጽ ምጽባይ ዝኽእል ኣይኮነን። ኢሳይያስ 24 ዓመታት ዝኣኽል ብኣጉል ሓሶትን ኣብ ባይታ ክጭበጥ ዘይኽእል መብጽዓታትን ኤርትራ ናብዚ ሕጂ በጺሓቶ ዘላ ብጣዕሚ ዘሕዝን መሪር ረቋሒታት ውድቀትን ፍሽለትን ክትበጽሕ ዝገበረ ምዃኑ፡ ሎሚ ንህዝብና ይኹን ንመላእ ማ/ሰብ ዓለም ግልጺ እናኾነ ዝመጸሉ እዋን’ዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራዊ በዓላትን ሓድሽ ዓመትን ንኩሉ-መዳያዊ ፍሽለታቱ ንካልኦት እናሰከመ፡ ሓድሽ መብጽዓታት እናኣተወ ንህዝቢ ንምትላል ዝፍትነሉ ኩነታት’ኳ እንተሃለወ፡ ፍጹም ካብ ጭቡጥ ዝኾነ ውድቀት ዘድሕኖ ኮይኑስ ኣይተረኸበ። ሕጂ’ውን እቲ ብምክንያት ሓድሽ ዓመት 2015 ዘካየዶ ቃለ-መሕትት ካብቲ ዝሓለፈ ኣጉል ሓሶትን ዘይጭበጥ መብጽዓታትን ዝተፈልየ ትሕዝቶ ስለ ዘይብሉ፡ ነቲ ኩሉ ግዜ ሕብረ-ሰልፋዊ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ብምትካል፡ ሰናይ ፖሎቲካዊ ምሕደራ፡ ምዕብልናን ብልጽግናን ዝብህግ ህዝቢ ኤርትራ ዝህቦ ትርጉም የብሉን።

 

ስለዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ንኩሉ ክብርታቱን መሰላቱን ብቃልስታቱ ብምምላስ፡ ኣብ ኤርትራ ዓይነታዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽን ቅኑዕ ስርዓት ንምህናጽን ኮቶ ዝዓግቶ ሓይሊ ኣይህሉን’ዩ። ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖትን ትካላቱን ኣስር ናይቶም ብትብዓት ነዚ ስርዓት’ዚ ዝኾነኑ ከም ዝስዕቡ ጽኑዕ እምነት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)’ዩ።

 

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

02 ጥሪ 2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9204

Posted by on Jan 2 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net