ጸብጻብ ኣባዓዕላ ሓድሽ ዓመት – 2015- ኣብ ቤር ኤርያ ካሊፎርንያ

ኣብ ቤይ ኤርያ ካሊፎርንያ ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ንሓድሽ ዓመት ብኽብ ዝበለ ጽንብል ተቐቢሎማ። እቲ ናይ ምዝንጋዕ መደብ በቲ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ቤይ ኤርያ   ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንኹሉም ኣብዚ ከባቢ ዝርከቡ  ናይ ልወጢ ሓይልታት ሓቁፉ ዝንቀሳቀስ ዘሎ ማሕበር  ዝተዳለወ  መድብ ‘ዩ ነይሩ።

እቶም  ካብ ሰዓት 9፡00 ድ. ቀ. ኣትሒዞም ኣብቲ ናይ ጽንብል ኣደራሽ ዝተረኽቡ ተሳተፍቲ በቲ ብወሓላሉ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትርውያን ደቂ ኣንስትዮ ተዳልዩ ዝቀረበሎም ጡዑም መኣዛ ዘለዎ መግብን  ዝቀረበ መስተን ተሰንዮም ክዛነዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እቲ  መድረኽ    ሓንቲ ካብ ኣባላት ቦርድ ማሕበር ዝኾነት  ትዕግስቲ ካሕሳይ ብዘቕረበቶ ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም  መግለጺ እዩ ብወግዒ ተጀሚሩ።  ካብዚ ኣትሒዙ ከኣ እቲ ናይ ምዝንጋዕ መድብ  በቶም ንምዕዋት እቲ መደብ ካብ ኤውሮጳን  ዝተፈላለዩ ክልፈ ግዝእታት ኣመሪካን ዝመጹ ድምጻውያንን ሙዚቀኛታትን ብምውህሃድ ዘቕረብዎም ሙዚቃዊ  ጣዕሚ ተጀሚሩ።

ነቲ ሰንይ ናይ ደስታ ምሸት ዕዉት ንምግባር ኣብ መድረኽ ዝተረኽቡ ድምጻውያንን ምዙቀኛታትን እዞም ዝስዕቡ  እዮም ነይሮም ። እቲ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዘመናዊ ትልሂት ኤርትራ ዓቢ እጃም ዘበርከተ፡ ሕጂ  ከኣ ሓደ ካብ ቀወምቲ ጋዜጠኛታት ድምጺ ራድዮ ኤረና ኮይኑ፡  ኣዳላዊ እታ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት እትፈኖ ፍትውቲ “መድብ ሸኾሪናታት” ዝኾነ ዮናታን ሃብተ።  እቶም ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ንቃልሲ ሰውራ ኤርትራ ብስነጥበባዊ ዕዮኦምን  ኩቡር ዕድመ ካብ ሂወቶምን  ዝወፈዩ  ድምጻዊት ቮሮኒካ ሰለሙን፡ ኦርጋኒስታታት  ወዲ ኣፍሮን  ኣልማዝን፡ ሳክስፎኒስት ጊዶወን ሃብቶም ። እቲ   ብዘለዎ ናይ ጊታር ምልከት ካብ ለዛታት ኤርትራ ሓሊፉ ናይ ኢንግሊዝን ካልኦት ህርመታት ኣፍሪቃን ዝጻወት  ባሃር ሙዚቀኛ  ረዘነ ሃብተን፡ ከምኡ ውን እቲ ሓደ ካብ ወናማት ኤርትራውያን ስነጥበባውያን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ብምዃን ኣብ ምኹስኻስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባህሊ ልዑል  ኣበርክቶ ዝተጸወተ  ድምጻዊ  ምኪኤል ጎይቲኦምን እዮም ነይሮም።

ተሰተፍቲ እዚ ናይ ሓጎስ ምሸት በቲ  ብኩቱር ውህደት ደረፍትን ምዙቀኛታትን ተሰንዮም ዝቀረብሎም ዝተፈላልዩ ጣዕሚ ዜምታት ትግርኛ፡ ዓረብ፡ ትግረ፡ ሳሆን  እንዳ ተላህዩ  ክብረትን ምትሕቑቛፍን ዝመልኦ ጽንብል ኣካይዶም። እቲ ካብ ዓመተ 2014 ናብ ዓመት 2015 ብሰላም ዘሰጋግረና ልዑል ፈጣሪ ፡ ንህርመት ልቢ ኤርትራውያን ሰሚዑ ፡ ንቃልሲ ኤርትራውያን ንቅድሚት ኣሰጉሙ፡ ንህዝብናን ሃገርና ካብዚ ዘለውዎ  ከቢድ ኣደራዕ ንኸነናግፎም ፡ ክእለትን ብልሓትን ክህበና ብምምናይ ነዛ ድሮ ክልተ ማዓልቲ ኣልዒልናላ ዘለና ሓዳስ ዓመት ተቀቢሎማ።

እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ጽንብል ካብቶም ናይ ቅድሚ ሕጂ ጽንብላት ፍልይ ዘብሎ ነገር እንተ ሃልዩ፡ እቲ መደብ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ናይ ግዜ ሰሊዳ (2 ሰሙን) ተወጢኑ ዝተኻየደ ብምንባሩ እዩ። እዚ ዕዉት ኽኸውን ዝኸኣለ ከኣ ብዙሓት ካብ ኣባልት ነዚ መድብ ንምዕምዋት ፋይናንሳዊ ሓገዛት፡ መራላውን ናይ ግዜ ደገፍን ብምካያድ ክዕውትዎ ስለ ዝኻሉ እዩ። ብዘይካዚ እቶም ኣብ ሓጺር ግዜ ተሓቢሮም ኣውንታዊ መልሲ ብምሃብ ኣብ ቦትኦም ዝተረኽቡ ደረፍትን፡ ሙዚቀኛታትን ውን  ኣዝዮም ክምጎሱ ዝግብኦም እዩ።

እቲ ብ ዶር መብራህቱ ተወልደ ዝቀረበ ሓጺር ናይ ማሕበር መደረ ውን ነዚ ዝሞጎሰን፡ እቲ ማሕበር ንኹሉ ዝጋጠሞ ብድሆታት ሰጊሩ ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ሓድሽ ዓመት ንኹሎም ኣብ በይ ኤርያ ዝርከቡ ኤርትራውያ ሓቑፉ፡  ናብቲ ኤርትራ ካብ ምልካዊ ስርዓት ሓራ ንምውጻእ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ብዝሓየለ መዳይ ከም ዝሳተፉ ክገብር ኩሉ ምድላዋቱን  ኣካይድኡን  ኣጻፊፉ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምልኪ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ፡  ከምኡ ውን ነቶም ካብ ኤርትራ  ውጺኦም  ኣብቲ ዘካይድዎ ናይ ስደት ጉዕዞ ዝብደሉን  ዝጋፍዑን ዘለዎ ኤርትራውያን  እንኮ ፍታሕ ምውዳቕ  እቲ ኣብ ቅርዓት ሃገርና ነጊሱ ዘሎ ምልኪ ጥራሕ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ኣብዚ እንጅምሮ ዘለና ሓድሽ ዓመት ሓድነትና  ኣትሪርና  ምልኪ ክንስዕር ብምዝኽኻር፡ ዓመተ 2015 ዓመተ ፍትሕን ሰላም ክትከውን ብምምናይ መደረኡ ዛዚሙ። ካብዚ ቀጺሉ እቶም  ብዝቀረብሎም  ሰነ-ጥበባዊያን ፍርያት እናተዘናግዑ ክሳብ ሰዓታት ወጋሕታ ዝተዛናዩ ተሳተፍቲ  ንሓድሕዶም ርሑስ ሓድሽ ዓመት ብምምናይ ነናብ ቦቲኦም ተበጊሱሶም፡ እቲ ብሕጉስ መንፈስ ዝጀመረ ናይ ደስታ ምሸት ከኣ  ሰዓት 2:30 ወጋሕታ ብሰላም ተዛዚሙ።

ዓመት 2015 ምልኪ ፈሪሱ ፡ ፍትሒ ዝነግሰሉ ዓመት ንኽኾነልና ተጊህና ንቃልሰ !

01 ጥሪ 2015

ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ – በይ ኤርያ፡ ካሊፎርንያ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9210

Posted by on Jan 3 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net