ርሑስ በዓል ልደት 2015

eudc

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ንኩሎም ኣመንቲ ክርስትና፡ ንደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ሓይልታት ምክልኻልን ርሑስ በዓል ልደት 2015 ዝብል መልእኽቱ የመሓላልፍ። በዚ ክቡር ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ በዓል ሰላም፡ ሕድሕድ ስኒት፡ ፍቅርን ሓልዮት ምክብባርን ክኸውን ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

 

ኤርትራ ካብ ሕሱም ባዕዳዊ መግዛእቲ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ተናጊፋ፡ ኣብ ትሕቲ ዝበኣሰ ባርነት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ትወድቕ 24 ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ሞሳ ንሃገራዊ ነጻነት ዝኸፈሎ መሪር ቃልስታትን ረዚን መስዋእትነትን ተነፊጉ፡ ኣብ ታሪኹ ተርእዩ ዘይፈልጥ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ተሓሪሙ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝኸፍአ ፖሎቲካዊ ጭቆናን ግፍዕታትን በጺሕዎ’ዩ። ካብ ጽባሕ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ኣትሒዙ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት፡ ተጋደልቲ ህ/ግንባር ብዝተፈላላየ ምክንያታት ብዘይዝኾነ ፍርዲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ። ኣባላት ፖሎቲካዊ ውድባት፡ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖት በብግዚኡ ተጨውዮም ተሰወሩ ብጣዕሚ ብዙሓት’ዮም። ብውጽኢቱ መላእ ክፍልታት ህዝቢ ኤርትራ ናብ ስደት ክውሕዝ ተገደዱ። ኣብ ስደት ድማ ንሕልና መላእ ኣህጉራዊ ማ/ሰብን ዝኾነ ፍጡርን ዘሰክፍን ዝትንክፍን ኩሉ መዳያዊ ግፍዕታትን ግህሰታትን፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ካብ ዝበጽሕ ዓመታት ኣቁጺሩ ኣሎ።

 

እዚ ኩሉ ከቢድ ጸገማትን መሪር ሕሰምን’ዚ ንሕልና ገባቲ ኢሳይያስን ስርዓቱን ዝትንክፍ ተረኽቦታት ፍጹም ኮይኑ ኣይፈልጥን’ዩ። ብኣንጻሩ ገባቲ ኢሳይያስ ህዝቢ እናተበተነ ሃገር ብምልእታ እናዓነወት ከላ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ሃገራውን መንፈሳውን በዓላት ንጭቡጥ ኩነታት ኤርትራ ብምኽሓድ፡ ኣብ ባይታ ዘየሎ፡ ንዕቀት ዝተሓወሶ ቃለ-መሕትትን መድረን ምግባር ልሙድ ተርእዮ’ዩ። ኣብ መእተዊ 2015 ዝሃቦ ቃለ-መሕትት’ውን እቲ ቅድም ዝተነደፈ ቅዋም ቁም-ነገሩን ትሕዝቶኡን ብዘየገድስ፡ ኣይኣወጅናዮን ደኣምበር፡ ብተግባር ሞይቱ’ዩ ብድሕሪ ምባል፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ በዓል ሃገራዊ ነጻነት 2014 ንይምሰል ሓድሽ ቅዋም ክንደፍ ኢና ብምባል ዝመሓላለፎ ኣጉል መብጽዓታት ክድህሰስ ዝኽእል መልሲ ከይሃበ ከይሓፈረ ብንዕቀት መደረ።

 

ኣብዚ ህሞት’ዚ ህዝቢ ኤርትራን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ብርግጽ ካብቲ ገባቲ ኢሳይያስን ስርዓቱን ዝጽበይዎ ምዕባለ ይኹን ብልጽግና ከም ዘየለ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝተሰጋገረሉ እዋን ስለዝኾነ፡ ንባርነት ህግደፍን ግፍዓታቱን ብገዛእ ቅልጽሞም ወጊዶም፡ ሕብረ-ሰልፋዊ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ፡ ፍትሃዊ ቃልስታቶም ከበራትዑ ታሪኻዊ ግድነት’ዩ።

 

ርሑስ በዓል ልደት

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

06 ጥሪ 2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9227

Posted by on Jan 6 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net