ዓቢ ባርዕ ኣብ ቤት ጽሕፈት ማሕበረ-ኮም ኤርትራ ኣብ ርያድ !

hgdf imbassy righad

ህንጻ ማሕበረ-ኮም ኤርትራ ኣብ ከተማ ርያድ (ስዑዲ ዓረብያ) ሎሚ ሓሙስ ዕለት 15/01/2015 ኣጋ ወጋሕታ  ከም ዝተባረዐ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። እዚ ክበብ’ዚ ኣብ ማዕዘር ዝተባህለ ዞና ዝርከብ ምስ ኢምባሲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ጠቢቑ ዝርኸብ ህንጻ ምኻ`ኑ ዝተፈልጠ ኢዩ። ሓደ ካብ ሓለፍቲ ናይ ኢምባሲ ተሓቲቱ ኣብ ዝመለሰሉ፡ ምኽንያት ናይ’ዚ ባርዕ’ዚ ኤለትሪኽ ምዃኑ ገሊጹ። እንተኾነ ግን ብዛዕባ’ቲ  ኢምባሲ ዓሚቕ ውሽጣዊ ኣፍሉጦ ዘለዎም ባእታታት፡ እዚ ተረኽቦ’ዚ ኮነ ኢሉ ሰብ ዝሰርሖን፣ ቅድሚ ሕጂ ንኣርበዕተ ግዜ ዝኸውን ዝተደጋገመን ምዃኑ ኣረጋጊጾም። እቶም ኣብ’ቲ ኢምባሲ ብብልሽውና ዝፈለጡ ሓለፍቲ ከም’ዚ መገበሪኦም፡ ሰነዳት፡ ብፍላይ ድማ ምስ’ቲ ኣብ ስዑድያ ካብ ዝነብር ህዝብና ብኣማእት ኣሽሓት ዝእከብ ገንዘብ ዝተሓሓዘ ናይ ሒሳብ ሰነዳት፡ ንምስዋር ተባሂሉ ዝተማህዘ ግብሪ ምዃኑ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

 

ኣብ’ዚ ክጥቀስ ዝግበኡ፡ ኣምባሳደር ናይ’ቲ ስርዓት ኣብ ስዑድያ መሓመድ ዑመር ማሕሙድ ሓደ ካብ’ቶም ኣዚዮም ብብልሽወና ዝልለዮ ባእታታት ምዃኑ ኢዩ። ኣብ ኤርትራን ምስርን ብዙሓት ኣባይቲ ኣብ ርእሲ ምውናኑ፣ ኣብ ስዑድያን ኩወይትን ከምኡ’ውን ኣብ ሱዳን ምስ ዝሰርሓ ናይ ንግዲ ኩባንያታት ዓቢ ብርኪ ካብ’ቶም ዘለዎም ምዃኑ ዝተረጋገጹ ጸብጻባት ምህላዎም ይሕበር። ብተወሳኺ መሓመድ ዑመር ማሕሙድ ኣባል ስለያ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብምኳኑ ኣብ ኤርትራን ኢስራኤልን  ዝተፈለለየ ናይ ምስልጣን ኮርስ ከም ዝወሰደ ዘረጋግጹ ሓበሬታታት’ውን ኣለዉ።

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

15/01/2015

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9277

Posted by on Jan 15 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net