ወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ጀርመን ንኤሃባዲለ ዘለዎም ጽኑዕ ደገፍ ገሊጾም

encdc-germany

ኣብ ጀርመን ዝርከባ ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሚክራውያዊ ለውጢ ዝኾና ውድባት፡  ሃገራዊ ባይቶ ነቲ ኩሉ ከጋጥም ዝጸንሐ ጸገማት ንምፍታሕ ህጹጽ ኣኼባ ከቃንዕ ብምብቅዑ ኣድናቖትን መጎስን ገሊጸን። ብዛዕባ ውጽኢት ናይ‘ቲ ኣኼባ ዓሚቝ ዘተ ብምክያድ  ተወጢኑ ንዘሎ ናይ ስራሕ መደባት ኣብ ምዕዋት ዕቱብ ቃልሲ ከካይዳ ምዃነን ድማ ኣረጋጊጸን። መስርሕ ምስንዳእ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ብጽቡቕ ንክሰላሰል ምስ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዘን ንምዕዋቱ ብዘለወን ዓቕሚ ሰጢመን ብዕቱብ ክሰርሓ ምዃነን ቃል ኣቲየን።

ውድባት ኤሃባዲለ ንናይ ተቓውም ሓይልታት ዕማማት  ኣብ ጀርመን ንምዕዋትን ህዝባዊ ቃልሲ ክብ ንምባልን ኣወንታውን ደራኽን ተራ ንክህልወን  ቀጻሊ ርክባትን ልዝብን ከካይዳ ተሰማሚዐን።

ዝተሳተፋ ውድባትን ወከልተንን ከኣ  እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፡-

  1. ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ                           ብኣቶ ዓብደልዓዚዝ ኣንዋር ተወኪሉ
  2. ስልፊ ጉባኤ ኤርትራ (ስትራተጂ ዓዲ) ብኣቶ ሃይለ ተኪኤ
  3. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብኣቶ መሓመድ ሙሳ
  4. ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ብኣቶ ክብረኣብ ምስግና
  5. ዲ,ሞክራስያዊ ግንባር ሓደነት ኤርትራ ብኣቶ ባህታ ሃይለማርያም
  6. ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ                    ብኣቶ ዓብደልዓዚዝ ኪያር
  7. ኤርትራዊ ስምረት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብኣቶ ገብርሂወት ክፍለ

 

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብና!!

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዋኣትና !

 

ውድባት ኤሃባዲለ ኣብ ጀርመን

ፍራንክፎርት  25/01/2015

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9335

Posted by on Jan 27 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net