News

ወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ጀርመን ንኤሃባዲለ ዘለዎም ጽኑዕ ደገፍ ገሊጾም

encdc-germany

ኣብ ጀርመን ዝርከባ ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሚክራውያዊ ለውጢ ዝኾና ውድባት፡  ሃገራዊ ባይቶ ነቲ ኩሉ ከጋጥም ዝጸንሐ ጸገማት ንምፍታሕ ህጹጽ ኣኼባ ከቃንዕ ብምብቅዑ ኣድናቖትን መጎስን ገሊጸን። ብዛዕባ ውጽኢት ናይ‘ቲ ኣኼባ ዓሚቝ ዘተ ብምክያድ  ተወጢኑ ንዘሎ ናይ ስራሕ መደባት ኣብ ምዕዋት ዕቱብ ቃልሲ ከካይዳ ምዃነን ድማ ኣረጋጊጸን። መስርሕ ምስንዳእ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ብጽቡቕ ንክሰላሰል ምስ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዘን ንምዕዋቱ ብዘለወን ዓቕሚ ሰጢመን ብዕቱብ ክሰርሓ ምዃነን ቃል ኣቲየን።

ውድባት ኤሃባዲለ ንናይ ተቓውም ሓይልታት ዕማማት  ኣብ ጀርመን ንምዕዋትን ህዝባዊ ቃልሲ ክብ ንምባልን ኣወንታውን ደራኽን ተራ ንክህልወን  ቀጻሊ ርክባትን ልዝብን ከካይዳ ተሰማሚዐን።

ዝተሳተፋ ውድባትን ወከልተንን ከኣ  እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፡-

  1. ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ                           ብኣቶ ዓብደልዓዚዝ ኣንዋር ተወኪሉ
  2. ስልፊ ጉባኤ ኤርትራ (ስትራተጂ ዓዲ) ብኣቶ ሃይለ ተኪኤ
  3. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብኣቶ መሓመድ ሙሳ
  4. ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ብኣቶ ክብረኣብ ምስግና
  5. ዲ,ሞክራስያዊ ግንባር ሓደነት ኤርትራ ብኣቶ ባህታ ሃይለማርያም
  6. ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ                    ብኣቶ ዓብደልዓዚዝ ኪያር
  7. ኤርትራዊ ስምረት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብኣቶ ገብርሂወት ክፍለ

 

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብና!!

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዋኣትና !

 

ውድባት ኤሃባዲለ ኣብ ጀርመን

ፍራንክፎርት  25/01/2015

 

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top