መዓልቲ ጀበርቲ 2015 ብዉዕዉዕ ኣገባብ ተኻዪዱ

day of jeberti germany

ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተወከሉ ኤሪትሪያውያን ደቂ ብሄረ ጀበርቲ ዝተሳተፍዎ፡ኣብ ትሕቲ ”ጀበርቲ እንሕበነሉ ብሄርና፡መርኣያ ዘይምንዛዕ መንነትና” ዝብል ቴማ፡ዉዕዉዕ መዓልቲ ጀበርቲ 2015 ኣብ ሞንሸንግላድባክ-ጀርመን ኢዩ ተኻዪዱ፡፡ መዓልቲ ጀበርቲ ዓመት-ዓመት ዝካየድ ኮይኑ፡ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት መዓለቲ ጀበርቲ ካብ 02 ክሳብ 05 ኣፕሪል 2015 ዘሎ እዋን ኢዩ ተኻዪዱ፡፡ መዓልቲ ጀበርቲ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናሓየለ ዝዓቢ ዘሎ መደብ ምትእኽኻብ ደቂ-ብሄረ ጀበርቲ ኢዩ፡፡ መዓልቲ ጀበርቲ፡ ደቂ ብሄረ ጀበርቲ ተራኺቦም ንጥፈታት ማሕበራቶምን ኩነታት ሓድሕዶም ዝተሓታተቱሉን ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ብምልዓል ዝዝትዩሉን ወርቃዊ ኣጋጣሚ ኢዩ፡፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ጀበርቲ እምበኣር፡ ሕቶታት ድናዊን ቢሄራውን ማሕበረ-ባህላውን  ኩነታት ብምልዓል ዘትዮም፡፡ ትሕዝቶ እቲ ዘተ ብመልክዕ ኣስተምህሮታት፡ ዎርክሾፓትን ክትዓትን ኢዩ ቀሪቡ፡፡ ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ከኣ፡ ምጥቕላሎም ይከኣል፣

1) ዲናዊ ኣስተምህሮታት

2) ጦብላሕታታትን ኣመታትን ናይ 1960ታት ታሪኽ ኤርትራን ጀበርቲን ዝምልከት ናይ ዓይኒ ምስክር መብርሂታት

3) ኣተሓሕዛ ውልቃዊ፡ ስድራቤታዊ፡ ብሄራዊ፡ ሃገራውን ኣህጉራውን ሓላፍነታት ዝምልከት

4) ታሪኽ ኤርትራውያን ብሄረ ጀበርትን ጀበርትነት ዝምልከት

5) ኣብ ውሽጢን ወጻእን ሃገርን ዘለዉ ህልዋት ኩነታትን ኣብ መጻኢ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሰናርዮታትን ኣብ ግምት ብምእታው ክግበሩ ዝከኣሉ ነገራት ዳህሳስ ንምግባር ዝምልከት

6) መዘናግዒ ዋዛ-ምስ-ቁምነገራትን

መዓልቲ ጀበርቲ 2015 ብዉዕዉዕ ድልየት ዝተኻየደን ኣዝዩ ሓያልን ዕዉቱን ምትእኽኻብ ኢዩ ነይሩ፡፡ ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ መደብ ከኣ፡ ንኣወሃሃድትን ኣካየድትን እቲ መደብ ዘለዎም ናእዳ ብምግላጽ፡ ንዓመታ እውን ብዝለዓለ መልክዕ ኣብ ዝካየድ መዓልቲ ጀበርቲ 2016 ክሳተፉ ምዃኖም ዘለዎም ተሪር ድልየትን እምነት ገሊጾም፡፡ ኣብ መዛዘሚ መደብ፡ ምትእኽኻብ ደቂ ብሄረ ጀበርቲ ንምድንፋዕን መዓልቲ ጀበርቲ ንምዕዋትን በብዘለዎም ዓቕምታት ብሉጽ ተወፋይነት ንዘርኣዩ ኣሕዋት ናይ መተባብዒ ሽልማታት ተዓዲሉ፡፡

ምልክታ ኣብ ሓጺር መዓልታት ሓደ ስፍሕ ዝበለ ሪፓርታጅ ከነውጽእ ስለዝኮና ተኸታተሉና።

 

ኣዳለወቲ መዓልቲ ጀበርቲ 2015

12/04/2015

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9524

Posted by on Apr 12 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net