ቃል መሪር ሓዘን

Dr.-Ramadan-Farej-Iyay

ብጻይና ዶር. ሮሞዳን ፈረጅ ኢያይ ብሓሙስ ወጋሕታ ዕለት 20.08.2015 ብሃንደበታዊ ናይ ልቢ ሕማም ኣብ ከተማ ሎንዶን (ካናዳ) ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩና። ዶር. ሮሞዳን ብ 3 መጋቢት 1960 ኣብ ከተማ ኣቝርደት ተወሊዱ። መበኣታውን ማእከላይ ቤት ትምህርትን ኣብታ ከተማ ድሕሪ ምምሃር፡ ናብ ስደተ ገጹ ኣሚሪሑ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ሓለብ ብዶክተርነት ሕክምና ተመሪቑ ። ብጻይ ዶር. ሮሞዳን፡ ካብ’ቶም ኣብ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዓሚቝ እምነት ዝነበሮም ልሉያት ተቓለስቲ ምንባሩ ኩሎም መቓልስቱ ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ። ብሞት ብጻይና ዶር. ሮሞዳን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብፍላይ፣ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ዲሞክራስያዊ ለውጥን ህዝብና ድማ ብሓፈሻ ዓቢ ሃገራዊ ተቓላሳይ ከሲሩ ኢዩ።

ኣብ ሃገራዊ መትከላት ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ጽኑዕ እምነት ስለ ዝነበሮ፣ ነቲ ኣብ ፖለቲካዊ ዓውዲ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ጉጅላውነትን ጸቢብ ምትእኽኻብን ነጺጉ፡ ኣብ ሃገራዊ ጠርናፊ መትካላት ቀጥ ኢሉ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ተቓሊሱ ዘቃለሰ ልሉይ ሃገራዊ ካድር ምንባሩ ንዘልኣለም ክዝከር ክነብር ኢዩ። ዶር. ሮሞዳን፡ ፈታው ሰብን ተዋዛይን ንዕብን ንንእሽቶን ዘኽብር ምቕሉል ሰብ ኢዩ ነይሩ። ብጻይና ዶር. ሮሞዳንም በዓልቲ ቤቱ ዓማራ ኢድሪስን ሰለስተ ደቂ ኣለዎም፣ ንሳቶም ከኣ፡ ሙራድ፣ ሙንተስርን ሳብሪንን ኢዩም።

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ንብጻይና ተቓላሳይ ዶር. ሮሞዳን ፈረጅ ኢያይ መንግስተ ሰማይ ከዋርሶን፡ ንክብርቲ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኩሉም ኣሕዋቱን ስድራ ቤቱን ከምኡ’ውን መላእ ኣባላት ግ.ሃ.ደ.ኤ. ብፍላይ ድማ ኣባላትና ኣብ ዞባ ካናዳ ንተቓላሳይ ህዝብናን ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃበና ብምባል፡ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ከይሰልከየ ዝተቓለሰሉ ዕላማታት ኣብ ሽትኡ ክሳብ ነብጽሑ ቃልስና ከይተሓለልና ክንቅጽሎ ምዃኑ ቃልና ነሕድስ።

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
20 ነሓሰ 2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9854

Posted by on Aug 22 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net