ከተማ ርችሞንድ ንፈስቲቫል ህግደፍ ትነጽግ

bay area EDC
ምምሕዳር ከተማ ርችሞንድ ካሊፎርንያ ነቲ ደገፍቲ ህግደፍ ዓመት መጸ ፈስቲቫል ዘካይድሉ ዝነበሩ ዓቢ ኣደራሽ ንኸይጥቀምሉ ኣጊድዎም። እዚ ሎሚ ተረኺቡ ዘሎ ዓወት ውጽኢት ናይቲ ደለይቲ ለውጢ በይ ኤርያ ካብ 2010 ኣትሒዞም ዘካየድዎ ዘይሕለል ጻዕሪ እዩ። ህግደፍ ስጋብ ሓሙስ ዕለት 13 ነሓሰ ነቲ ኣደራሽ ክጥቀሙሉ እንተፈተኑ እኾ፡ በቲ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣባላትን መሪሕነትን ደለይቲ ባይ-ኤርያ ጠለባቶም ንክንጸግ ተወሲኑ።

እዚ ዓወት ድምር ውጺት ናይቲ ብማሕበር መንእሰያት ኤርትራውያን ንለውጢ፡ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሰልፊ ድሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተጀሚሩ ብመርሒነት በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ አብ ናይ መፈጸምታ ዓወት ዝበጽሔ ኣውንታዊ ፍጻሜ’ዩ።

እዚ ኣደራሽ ቅድሚ ናጽነትውን ኤርትራውያን ካብ 1989 ኣትሒዞም ሓቢሮም ዝዛተይሎን ንጉዳዮም ኣብ መዕለቢኡ ንምብጻሕ ዝራኸብሉ ዝነበሩ ዓቢ ናይ መዛተዩ ማእከል እዩ።

ምስዚ ዝተኣሳሰረ ካልእ ዜና፡ ኣምሓዳሪት ከተማ ኦክላንድ ወ/ሮ ሊቢ ሻፍ ውን በቲ ደለይቲ ለውጢ ዝገበሩላ ተደጋጋሚ ርክባትን ምሕጽንታታን ተሞርኪሳ ነቲ ኣብቲ ፈስቲቫል ህግደፍ ንኽትርከብ ዝቕረበላ ዕድመ ከም ዝነጸገቶ ሓቢራ። ዝሓለፈ ዓመት ከምዝፍለጥ ንኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ተስፋ ዝሃበ፡ ንደገፍቲ ህግደፍ ሞራል ዝሰበረ ዕዉት ሰለማዊ ሰልፊ ክምዝተገበረ ዝዝከር እዩ። ንምዝኽኻር ኣብዚ ተውቁ፡ “Eritrean Justice Seekers’ Demonstration against PFDJ’s US West Coast Festival” https://youtu.be/av9H3jy3R2k

ንሕና ተቀማጦ በይ-ኤርያ ካሊፎርንያ ደለይቲ ሰላምን ፍትሒን ነቲ ኣመሓደርቲ ከተማ ርችሞንድን ኦክላንድን ዝገበሩዎ ምትሕብባር ኣዚና ነመስግን።

ዓወትና ናይ ግድን እዩ፡
በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዴሞክራሲያዊ ለውጢ
www.bayedc.org
ፋይስቡክ፡ www.facebook.com/bayedc
ኢመይል፡ bayareaedc@gmail.com
ስልኪ፡ 510-629-0291

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9847

Posted by on Aug 16 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net