ናይ 1973 ዝነበር ምንቅስቓስ
በዚ ተሰማሚዖም ድማ ነዞም ዳሕረዎት 7 ሰባት ጸውዑና’ሞ እቶም 11 ተጋደልቲ ተራኸብና። ብዛዕባ እንዛረበሉ ኣርእስቲ ከአ ተላዒሉ፣ አብ ውሽጢ መሪሕነት ዘሎ ዘይምቅዳው ንምርኣይ - መሪሕነት ክጽውዑ ምዃኖም ድማ በርሃልና።እሞ ክንሰምዖም እዚ ኩሉ ዝግበር ዕግርግር ናቶም ዘይምስምማዕ ኢዩ’ውን በሉና። ካብዚ መሪሕነት ተጸዊዖም መጹ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ኣቦ-መንበር ከይገበሩ ከኣ ዘረባ ብወዲ ፈንቅል ተጀመረ። በራኺ ፈንቅል፡- መሪሕነትንሕና ኢና ጸዊዕናኩም ዘሎና፣ ኣብ መንጎኹም ዘይምስምማዕ ዘሎ ኩሉ ገልጹልና በሎም። ካብዚ ኢሰያስ ከም’ዚ እናበለ ዘረባኡ ጀመረ።









