ርክብ ምስ ተጋዳላይ ሓሚድ ሳልሕ (5)

ሓምሻይ ክፋል

ሓድሽ ዓመት 1968 ተጀምሩ ። ሰራዊት ሓርነት ከምቲ ልሙድ ኣንጻር ጸላኢ ምክልኻልን መጥቃዕትታቱ ምውርዋርን ቀጸሎ ። ቁጽሩ እንዳበዘሔ ከደ ፣ ስሪሒታቱ ድማ እንዳማዕበለ ስሌ ዝኸደ ኡሙን ደጀን ዝኾኖ ሓድሽ መሬት ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ከእቱ ጀመረ ። ጸላኢ   መጥቃዕታት ሰራዊት ሓርነት ናብ ዓበይቲ መደበራትን ከተማታት ገጹ ከይየመሪሕ ፍርሒ ጀመሮ ። ገለ ካብቲ ስሪሒታት ድማ ዝስዕብ እዩ ፦

  • ወርሒ 1/1968 – ኣብ ዱሉክ ባርካ ላዕላይ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ  ጸላኢ ዓብይ ክሳራ ነሩዎ ።
  • ወርሒ 2/1868 – ኣብ ሸተል ከባቢ ማንሱራ ምስ ቀዳመይቲ ክፍሊ ብምትሕብባር ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ጸላኢ ካብ 70 ንላዕሊ ምዉታትን ቁሱላትን ነሩዎ ።
  • 13/2/1968 – ኣብ ሳልሰይቲ ክፍሊ ፣ ተገረን መጥቃዕቲ ተኻይዱ ካብ ንጎሆ ክሳብ ጻሓይ ዓራርቦ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ጸላኢ ዓብይ ክሳራ ነሩዎ ፣ ብወገና 1 ስዉኣት 7 ዉጉኣትን ነሩና ። 13 ብሬት ሰሊብና
  • 4/1968 – ኣብ ዋሃብሎ ( ዓጋምቡሳ ) ኣብ ዝተኻየደ ውግእ 2 ዉጉኣት ኣለዉና ።
  • 18/7/1968 – ኣብ ደምበላስ ካብ ጸላኢ 5 ሞይቶም  ክባና 2 ተወግኦም ።
  • 8/1968 – ኣብ ሳላድ ብወገና ክሳራ ኣይነበረን ።
  • 8/1968 – ኣብ ልዕሊ ከተማ ሰገነይቲ መጥቃዕቲ ተኻይዱ ጸላኢ ክሳራ ነሩዎ ኣባና ዝወረደ ነግር የልቦን ።
  • 8/9/1968 – ኣብ ሓላይ ነፈርቲ ዝተኻፈላኦ ጹዕጹዕ ውግእ ተኻይዱ ጸላኢ ብዙሓት ምዉታት ነሩዎ ።ንሕና 2 ተሰዊኦሙና 3 ድማ ተወጊኦም ።
  • 12/10/1968 – ኣብ ዋጣቶ  ውግእ ገርና  1 ተሰዊኡና ።
  • 5/11/1968 – ኣብ ሙድሑሎ ናባ ጋደ ካብ ሓይሊ ጸላኢ ( ጦር ሰራዊትን ኮማንዶስን ) 50 ተቀቲሎም ብዙሓት ተወጊኦም ዝተፈላለየ ብሬት ድማ ሰሊብና ኢሉ ። እዘን ናይ መወዳእታ ሰለስተ ውግኣት ሱሉሳዊ ሓድነት ምስ ተኣወጀ ዝተኻየዳ እየን ።

ቀጽሉ እዚ ገለ ክፋላት ናይቲ ብዘይምቁራጽ ምስ ጸላኢ ዝካየድ ዝነበረ ጥምጥም ምዃኑ ገሊጹ ። ምስ ምቅጻል ምንቅስቃስ ጸላኢ ፣ ሳልሰይቲ ክፍሊ ብሰንኪ ጉድለት ዝተፈላለየ ትሕዝቶታትን ኣገዳሲ ወታሃደራዊ ንዋትን ፣ ጸገማታ እንዳታሓላለኸ ከይዱ ። ካብ ማእከላይ መደበር ( መሪሕነት ውድብ ) ዝመጽእ ጠቃሚ ረድኤት  ኣይነበረን ። ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለያ ክፍሊታት ድማ ኣብ ክፍሊታት ንዝፍጠር ኩነታት ንምግጣም ዝኣመተ ምትሕብባር ኣይነበረን ። ናይ ብሓቂ ድማ ምጻሩ ዘሸግር ቀሊል ዘይኮነ ጸገማት ይጓንፈና ነሩ ኢሉ።

ኩነታት ከምዚ ካብ ኮነ ፣ ክፍሊታት ዝቆማሉ ዕላማ ታዓዊቱዶ ይመስለካ ? ኣወንታታቱን ኣሉታታቱንከ እንታይ እዩ ? ንዝብል ሕቶ ክምልሽ ከሎ መልሱ ድማ ፦

ክፍሊታት ብሙቋሙ ዝተረጋገጸ ኣወንታታት ክረኤ ከሎ፣ ብሓፈሻኡ  ዝቆመሉ ዕላማ ተረጋግጹ እዩ ክባሃል ይካኣል ። ንሱ ድማ ፦

  • ምብታን ሓይሊ ጸላኢ ( ፋሕ ክብል ተገድዱ )።
  • ሓይሊ ሰውራ ኣብ ዝተፈላለየ መሬት ኤርትራ ተዘርግሑ ምስ ህዝቢ ክራኸብ ምኽኣሉን ህዝቢ ምስ ሰውርኡ ከም ዝተኣሳሰር ምግባሩን ።
  • ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ክሳራታት ምውራድ ።
  • ሰውራ ከይትፍለጥ ተጠምጥሙዋ ዝነበረ ዜናዊ ሽፋን ተቀንጥጡ ።
  • ኣብ ሓጽር እዋን ብዙሕ ሓይሊ ጉልበት ሰብ ምእካብ ተኻኢሉ ።

እዚ ድማ ቀሊል ፍሬ ኣይኮነን ይኹን እምበር ፣ ንተሞክሮ ክፍሊታት ዘሰነዮ ኣሉታዊ ተሞክሮታት እውን ቀሊል ኣይነበረን ምኽንያቱ ድማ ፦

  • ንንጥፈታት ክፍሊታት ብቀረባ ኣብ ሜዳ  ኮይና እተማሓድርን   ተዋሃህድን ኣድማዒት መሪሕነት ዘይምህላው ።
  • ዝምድናታተን ዝሰሪዕን ዘዋሃህድን ንጹር ሕጊታት ወይ መምረሕታት ዘይምንባሩ ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ወታሃደራዊ ፣ ፖለቲካዊ ፣ ሎጊስቲካዊ ፣ መዳያት ኣብ ሞንጎ ክፍሊታት ስሩዕ ምትሕግጋዝ  ኣይነበረን ። እቲ ኣብ ገለ ግዝያት ዝረኤ ዝነበረ ምትሕብባር ወይ ምድግጋፍ ድማ ብዘይተሰርዔ መገዲ ዝካየደ ዝነበረ ሃንደበታዊ ዘይተጸንዔ ተቦጉሶታት ዳኣምበር ካብ ሓቀና ሓድነታዊ መንፈስ እምነት ዝተበገሰ ዘይምዃኑ ። እዚ ድማ ንምሳሌ እቲ ኣብ ሞንጎናን ሞንጎ ቀዳመይቲ ክፍሊን ዝነበረ ዝምድና ፣ ከምኡ እውን ምስ ራብዓይቲ ክፍሊ፣ እቲ ብሓባር ዝካየድ ዝነብረ ውግኣት ኣብነት ናይዚ እዩ ።
  • ክፍሊታት ፣ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር መራሕቲ ክፍሊታት ኮይኑ ፣ ብሕታዊ መልክዕ እንዳሓዘ ይኸይድ ስሌ ዝነበረ ፣ ጸብብ ስምዕታት ክፍጠር ጀምሩ ።
  • ኣብ ሓደ ክፍሊ ንዝፍጠር ሽግራት ቅልጡፍ ፍታሕ ስሌ ዘይግበረሉ ሽግራት እንዳታኣከበ ከይዱ ።
  • ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ሓርነት ዘሎ ሓድነታዊ ስምዒት ክዳኸም ጀመረ ።

ቀጺሉ ክዝከር ዝግባእ ተሞክሮ ድማ ኣሎ ብምባል፣ ሳልሰይቲ ክፍሊ ብ1966 ቦታኣ ድሕሪ ምብጻሓ ብንጹር ዕለት 30/9/1966 ኣብ ሞንጎ ሳልሰይቲ ክፍሊን ራብዓይቲ ክፍሊን ኣብ ኡምለ ዝተባህለ ቦታ ብመሪሕነት ደረጃ ዝተደረተ ጸብብ ስምምዕ ተገይሩ ናይ ክልቲኤን ክፍልታት ኣሃዱታት ብሓደ ተጸምብረን ፣ ሓሙሽተ መራሕቲ ሓይሊታት ዝመርሑዎ ኣሃዱታት ቆይመን ኣብ ዝተፈላለየ ወገናት ተዋፍረን ፣ሃዘሞ ፣ ሰራየ፣ ምብራቃዊ ሸነኽ ኣከለጉዛይ ። ከምኡ ድማ ገለ ኣሃዱታት ብሬት ንምምጻእ ንሳሕል ገጸን ተላእኸን ። ስሌዚ ገሊኡ ካብቲ ዝተጠቅሰ ዝተኻየደ ውግኣት ናይ ሓባር ነሩ ማለት እዩ ። ካብቶም ኣብዚ ውግኣት ዝተካፈሉ ፍሉጣት መራሕቲ ካብ ራብዓይቲ ክፍሊ ድማ ፣ ራማዳን ሙሳ ፣ ኣሕመዲን እስማዒል ፣ ስዒድ ሳልሕ ማሕሙድን ኣደም ማሕሙድን ይዝክር ። ድሕሪዚ ኣሃዱታት ብሃንደበት ተጸውዔን ኣብ ዛርግራ ብወርሒ 4/1967 ከምቲ ዝነበራኦ ኣብ ክልተ ተመቅለን ተፈሊየን ። እዚ ስጉምቲ ኣብ ተጋደልቲ ዓብይ ኣሉታዊ ስምዒት ኣሕድሩ ።

ጉዳይ ሓድነት ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ሓርነት ኣብ ክልቲኡ ክፍሊታት ራብዓይትን ሳልሰይቲ ክፍሊን ብቲሪ ክላዓልን ክሕተትን ጀመረ ። እንተ እዚ ዝተጠቅሰ ተሞክሮ ሓድነት ብፍጹም ኣይተዘርበሉን ኣይተላዕለን ምኽንያት ናይዚ ምብታኽ ኣይተነግረን  ። ፍጻመኡ ድማ ብህላወ ሙሓመድ ዓሊ ዑማሮ መራሕ ራብዓይቲ ክፍሊ ፣ ካብ ሳልሰይቲ ድማ ኣሕመድ ኢብራሂም ሓላፊ ወታሃደራዊ ስለያን ዓሊ ማሕሙድ መራሕ ሓይልን ነሮም ።

ብሰንክቲ ዝኸይድ ዝንበረ ሕማቅ ኩነታት ድማ ሽግራት ናይ ክፍሊታት እንዳበዘሔ ከይዱ ፣ ሓምሸይቲ ክፍሊ ድሕሪ ምቋማ ድማ ሓድሽ ሽግራት ተፈጥሩ ። ስሌዚ ኣብቲ መድረኽ  ንሰውራ  ዝህድድ ዝነበረ ሓደገኛ ኩነታት ገደብ ምግባር ኣሚቱ  ዝላዓል ዝነበረ ፣ ስምረት ሰራዊት ሓርነት ፣ ቦታኣ ሜዳ ዝኾነት መሪሕነት ምቋም ፣ ጉባኤ ምክያድ  ፣ ዝብል ጭርሖታት  ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ካብ ተጋደልትን ህዝብን ብትሪ ክስማዕ ጀመረ ።

ኣብ ሓምሸይቲ ክፍሊ ንዝተፈጠረ ሽግራት ብፍላይ ብሓፈሻ ድማ    ንናይ ሰውራ ሽግራት ፍታሕ ንምግባር ዝዕላማኡ ኣኼባ ክካየድ ዝብል ተበግሶ ነሩ። ብመሰረት እዚ መጸዋዕታ ድማ ጉባኤ ዓራዳየብ ብዕለት 6/6/1968 ተኻይዱ ። ኣብዚ ጉባኤ ዝተኻፈሉ መኣሕቲ ክፍልታት ድማ ፦

  • ካብ ቀዳመይቲ ክፍሊ – ማሕሙድ ዲናይን – ሙሳ ሙሓመድ ሃሽምን ።
  • ካልኣይቲ ክፍሊ – ዑመር ኢዛዝን – ኣሕመድ እብራሂም ሙሓመድ (ቸኪኒ) ።
  • ሳልሰይቲ ክፍሊ – ዓብዱልካሪም ኣሕመድ – ኣሕመድ ኢብራሂም ሙሓመድ ።
  • ራብዓይቲ ክፍሊ – ሙሓመድ ዓሊ ዑማሮ – ራማዳን ሙሓመድ ኖር ።
  • ሓምሸይቲ ክፍሊ – ዓብደላ ኢድሪስ – ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ነሮም ።

ውሳኔታት ናይዚ ጉባኤ ድማ ዝስዕብ ነሩ ፦

  • ቀዳመይቲ ክፍሊ ፣ ንሳልሰይቲ ክፍሊ ክትሕግዝ ።
  • ካልኣይቲ ክፍሊን ራብዓይትን ፣ንሓምሸይቲ ክፍሊ ክሕግዙ ።
  • ታሓጋጋዚት ኣሃዱ፣ ንቀዳመይቲ ክፍሊ ክትሕግዝ ።
  • መራሕቲ ክፍሊታት ፣ መራሕቲ ሓይሊታት ፣ ክፍሊ ወታሃደራዊ ታዕሊምን ፣ሓጋዚት ኣሃዱን ዝካፈሉዎ ሰፊሕ ወታሃደራዊ ጉባኤ ክካየድ ።

ንምስጥራዊነት ናይቲ ዝተገብረሉ ቦታ ጉባኤ ዓንሰባ ተባሂሉ ዝተጸወዔ ጉባኤ ኣብ ኣሮታ መሬት ማሪያ ብዕለት 10/9/1968 እዩ ተኻይዱ ። ካልኣይቲ ክፍሊ ብምኽንያት ናይቲ ኣብ ሓልሓል  ዝተኻየደ ተጋዳላይ ዑመር ኢዛዝ መራሕ ካልኣይቲ ክፍሊ ዝተሰወኣሉ ውግእ ኣይተኻፈለትን ። ቀዳመይቲ ክፍሊ ድማ ክትካፈል ከምዘይትኽእል ኣፍልጣ ። ዝተረፉ ኣብ ሞንጎኦም ሓድነት ብምእዋጅ  ግዝያዊት መሪሕነት ዝብል ሽም ዝሓዘት 12 ዝኣባላት መሪሕነት መሪጾም ። እዛ ክሳብ ጉባኤ ኣዶባሓ ዝቀጸለት መሪሕነት ድማ ኣስማቶም ዝስዕብ እዩ ፦

  • ሙሓመድ ኣሕመድ ዓብዱ
  • ኣሕመድ ሙሓመድ ኢብራሂም (ሰክረተር)
  • ሙሓመድ ዓሊ ዑማሮ
  • ራማዳን ሙሓመድ ኖር
  • ኣብራሃም ተወልደ
  • ኢስያስ ኣፈወርቂ
  • ዓብደላ እድሪስ
  • ዑመር ዳማር
  • ሙሓመድ ዑመር ዓብደላ ( ኣቡጣያራ)
  • ዓብደላ ዩሱፍ
  • ዓብደላ ሳፊ
  • ሓምድ ሳልሕ ሱለይማን ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ሙሉእ ሓድነት ሓሙሽተ ክፍሊታት ዘረጋገጸ ጉባኤ ኣዶባሓ ብዕለት 10/8/1968 ተገይሩ ዘመነ ክፍሊታት ኣብቅዑ ሰውራ ኣብ ሓድሽ ናይ ቃልሲ መዋእል ኣቲያ ።

ርክብ ምስ ተጋዳላይ ሓሚድ ሳልሕ ኣብዚ ይውዳእ ።

11/8/2016

.

.

 

ርክብ ምስ ተጋዳላይ ሓሚድ ሳልሕ (4)

hamid saleh tagadltiራብዓይ ክፋል ብዛዕባ ኩነታት ናይዚ ወታሃደራዊ ክፍሊ ክገልጽ ከሎ ፣ ሓፈሻኡ ኩሉ ከበሳ ዘጠቃለለ     ኣውራጃታት ኣከለጉዛይን ሰራየን ሓማሴንን ምብራቃዊ  ገማግም ባሕሪ ኣከለጉዛይ ፣  ምዃኑ ገሊጹ ። ሓይሊ ጸላኢ ጦር ሰራዊት ኮነ ካልእ ወታሃደራዊ ሓይሊታቱ  ፖሊስ ፣…

Aug 15 2016 / Read More » 

ርክብ ምስ ተጋዳላይ ሓሚድ ሳልሕ – ሳልሳይ ክፋል »

hamid salehራብዓይቲ ክፍሊ ጉዕዞኣ ብወገናት ከረን ብመሬት መንሳዕ ክኾውን ስሌ ዝወሰነት ኣብ ከባቢ ምሕላብ ፣ቁሩሕ ዝተባህለ ቦታ ብዕለት 15/9/1965 ጹዕጹዕ ውግእ…

Aug 8 2016 / Read More » 

ርክብ ምስ ተጋዳላይ ሓሚድ ሳልሕ – ካልኣይ ክፋል »

hamid saleh tagadltiሓምድ ቀጽሉ ፣ ካብ ወገናት ባጽዕ ንባርካ ተመሊሰ ካብኡ ከሰላ ኣቲየ ምስ ስዉእ ሳቤ ተራኽቤ ዳግም ንሜዳ ተመሊሰ ኣብተን ኣሃዱታት…

Aug 8 2016 /  Read More » 

ርክብ ምስ ተጋዳላይ ሓሚድ ሳልሕ »

hamid salehርክብ ምስ ተጋዳላይ ሓሚድ ሳልሕ ምኽትል መራሕ ሳልሰይቲ ክፍሊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ሰልፈኛታቱን፣  ኣብቲ ሕጂ ዝነብረሉ ዘሎ መደበር ስደተኛ`ታት ሱዳን ፣ ምስኡ ኣብ ዝተገብረ ርኽክባት ፡ ብዛዕባ…

Aug 5 2016 /  Read More » 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10422

Posted by on Aug 15 2016 Filed under Interviews, News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net