ኣብየት!!ኣብየት!!!ክቡር ኣቶ ባን ኪ ሙን!!!!! ዋና ጸሓፊ፡ ሕቡራት መንግስታት፡ ዓለም።

ኣብ ስደት እንነብር ኤርትራውያን፡ ኣብየት!! ኣብየት!!!!ኣብየት!!!ስለ ዝግበር ዘሎ ገበናት፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና፡ ብሰበስልጣን፡ መንግስቲ ኤርትራ።
ንኩሉኹም ወከልቲ፡ ኣባላት ሕቡራት መንግስታት ዓለም።
ንሕና፡ ኣብ ታሕቲ ዝኸተምና፡ ኣብ ስደት እንነብር ኤርትራውያን፡ ንኽቡር ዋና ጸሓፊ፡ ኣትሪርናን፡ ዓው ኢልናን፡ ነቲ ብውርሒ 21 ሰነ 2016 ዝቐረበ፡ ብመርማሪት ኮምሽን፡ ብናይ ሕቡራት መንግስታት፡ ኣማኻሪ፡ መሰል ሰብኣዊ መሰላት፡ ዝቐረበ፡ ጸብጻብ ንድግፍ ከምዘለና፡ ክንገልጸልኩም ንፈቱ። ንሱ ድማ፡ ሰበ ስልጣን፡ ሃገር ኤርትራ፡ ካብ 1991 ጀሚሮም፡ ገበን ኣብ ርእሲ ገበን ኣብ ምፍጻም ስለ ዝርከቡ እዩ። ንሕና፡ ነቲ ብናይ ሕቡርት መንግስታት፡ ኣማኻሪ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዝቀረበ፡ ኣጥቢቕናን፡ ኣትሪርናን፡ ንድግፍ ምዃና፡ ንገልጽ።

ክቡር ዋና ጸሓፊ! ንኹሎም ዕላውያን፡ ወከልቲ መንግስታት ዓለም ኣቤቱታናን፡ ምረትናን፡ ኣብዚ ጉባኤ መበል 71 ዝግበር ኣኼባ፡ ክትነግሩልና፡ ከተስምዑልና ንልምነኩም።ንሕና፡ ኣቤት እንብሎ፡ ንኹሎም፡ ወከልቲ፡ ሃገራት፡ ነቲ ብናይ ሕቡራት መንግስታት ኣማኻሪ መሰል፡ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዝቐረበ፡ ጸብጻብ ገበንነት፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ፡ ብሰብ መዚ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብምሉእ ድምጺ ክሓልፍ እዩ። ኣስዕብ ኣቢልና፡ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣማኻሪ ጸጥታ በጺሑ፡ ነቶም፡ ተዋሳእትን፡፡ገበርትን፡ ሓደግትን፡ ንዝገበርዎ፡ ገበን፡ ብሕጊ ክጥየቑ፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቐሪቦም፡ ሕጋዊ ስጉምቲ ንኽውሰደሎም እዩ።
ክቡራት ወከልቲ መንግስታት፡ ዓለም፡ ኣብ ጎድኒ ዉጹዕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንኽትኮኑን፡ ካብዚ ብዘይ ምቑራጽ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ፡ ግፍዕን፡ ገበናትን ከትናግፍዎን፡ ሕግን ስርዓትን፡ ኣብ ሃገር ኤርትራ ንኽሰፍን፡ ክትታሓበርዎን፡ ነማሕጽን።
ኽታትማትና፡
ናይ ኒው ዮርክ ሰላማዊ ኣዋሃሃዲ ሽማግለ
 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10511

Posted by on Oct 23 2016 Filed under Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net