News

ናይ ሓዘን መግለጺ

ንሕና ኣባላት ግ.ሃ.ድ.ኤ. ኣብ  ሰምየን ኤመሪካ እንርከብ ብመስዋእቲ  ብጻይናን መራሒናን ሓርበኛ ተቃላሳይ ኣቦ መንበር ግ.ሃ.ድ.ኤ ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም ዝተሰመዓና ሓዘን ከቢድ እዩ።

 

ሞት ባህርያዊ ከምሙዃኑ መጠን ካብ ሞት ዘምልጥ ፍጡር ከምዘይለ ንኣምን። ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ካብ ስድራ-ቤት ግ.ሃ.ድ.ኤ. ብቀደም ተኽተል መሪሕ ግደ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘበርከቱ ጀጋኑ ክፍለዩኻ ድርብ ሓዘን እዩ።

ስውእ ዶክተር ሃብተ ተስፋማርያም ብጠባዩ ሙስጉን ፤ ሩህሩህን – ኣብ መዋእል ቃልስታቱ ምስ ኩሉ ኤርትራዊ  ዜጋ — ዓሌት ፤ ሃይማኖት ፤ ኣውራጃ ፤ ዕድመ ፤ ጾታ ከይፈለየ  ክሳብ መወዳእታ ትንፋሱ ተቃሊሱ ዘቃለሰ ውፉይ ተቃላሳይ ዝነበረ ጅግና እዩ።

ንኽቡር  መራሒና  ዶር.  ሃብተ ተስፋማርያም መንግስተ ሰማያት የዋርሶ ፤ ንብጸይቱ  ኣድያም ተኽሊት ምስ ደቃ ከምኡ ከኣ ምስ ምሉኣት ቤተሰብን መቃልስቱን ጽንዓት ይሃቦም ንብል።

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ

ግ.ሃ.ድ.ኤ  ዞባ ሰምየን  ኤመሪካ

 

መተሓሳሰቢ

ዝኽሪ ስዉእና ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም  ን-1/29/2017  ኣብ  ኦክላንድ  ካሊፎርኒያ ናይ ሓዘና መግለጺ ኣኼባ ክንገብር ምዃና  ኣቐዲምና ንሕብር። ቦታን ሰዓትን ኣብ ዝመጽእ ግዜ ክንሕብር ኢና።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top