ጋዜጣዊ መግለጺ

ውድብና፣ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ ብዕለት 8 ሰኔ 2018 ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ኢህወደግ ንስምምዕ ኣልጀሪስ ኣመልኪቱ ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ውሳኔ ንምትግባር ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣሞጊሱ፥ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ኣወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ግብረ መልሱ ከመይ ኮን ክኾውን እዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ።

ስርዓት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ ምስ ዝወሰደቶ መርገጽ ንምውሳእ፣ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኻየደ ጸቅጥታት ይኹን ዝተዋህቦ መብጻዓታት ብዘየገድስ፥ ብዕለት 20/06/2018 ንውሳኔ መንግስቲ ኢትዮጵያ  ከምዝተቀበሎን ብዛዕብኡ ንምምይያጥ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ክሰድድ ምዃኑንምሕባሩ ብኣወንታ ዝምዘን መርገጽ እዩ


ብወገንና ነዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ፍታሕ ከምጽእ ትጽቢት ዝገበረሉ ስጉምቲ እንዳ ኣሞገስና፣ ምስ ኤርትራ ብዙሕ ናይ ግርጭታት ታሪኽ ዘሎዋ ሃገር ዝካየድ ፍታሕ ብምዃኑ፥ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ልዑላውነት ዘደልድል ክኸውን ተስፋ ንገብርብካልእ ሸነኽ ድማ ስርዓት ኤርትራ ምስ ውሽጣውን ግዳማውን ሰላም ዝራጸም ባህርያት ሒዙ ነዚ መስርሕ  ሰላም ክሳብ መጨረሽታ ኣይስዕቦን’ዩ ዝብል ጥርጣሪታት ግን ኣሎናስለዚ ድማ መብዛሕቲኦም ሃገራዊ ተቃወምቲ ሓይልታት ኤርትራ፣ እዚ ስርዓት’ዚ ኣብዚ ተበጊሱ ዘሎ ጉዕዞ፣ ንሰላም ዝዕንቅፍ ባህሪያት ክርኢ’ዩ ዝብል ዓቢ ተኽእሎ ከም ዘሎ ይእምቱ ኣለዉ።

  
ናብ ከምዚ ዝእምሰለ መደምደምታ ዘብጻሓና ምክንያት  ድማ፥ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣልጀሪስ  ንምትግባር ምስ እትብገስ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ኤርትራ፥ ናይ ዶብ ወጥሪ ብዝብል ምስምስ፣ ኣብ ልዕሊ መንእስያት ዝወስዶ ገደብ ኣልቦ ኣስገዳድ ዕስክርና ይኹን፥ ምጉንዳብ ጉዕዞ ሰላምን ልምዓትን፥ መስርሕ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ምዕንቃጽን፥ ካልእ ኩሉ ዘካይዶ ዝተፈላለየ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፥ ኣብ  ቅድሚ ህዝብን ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ሓይልታቱን  ኣፍደገታት  ንምዕጻው ዝጥቀመላ ናይ  ምስምስ ወረቀቱ ከተቃጽለሉ ምዃና ስለ እንፈልጥ እዩ


ብዝተረፈ ንሕና፣ ከም ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ ኣብ ሞንጎ ጎሮባብቲ ሃገራት ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን  ዝህነጽ ናይ ሰላም ሰረታት ብትሪ ደገፍቱ ምዃንና ንህዝብናን ንዓለምን ከነረጋግጽ ንፈቱ። ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርን ፍርዲ ኣህጉራዊ ኮምሽን ዶብን፣ ክትግበር ዝግበኦ ምሕንጻጽ  ዶባት ክልቲኡ ሃገራት፣ መስርሕ ሰላም ንኽብገስ  ኣፍደገ ዘርሕው ስለ ዝኾነ ተደላይነቱ ዕዙዝ ምዃኑ እንዳኣረጋገጽናኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሰላምን ርግእትን ከይተረጋገጸ ኣብ ዞናና ሰላምን ርግኣትን ክረጋገጽ’ዩ ኢልካ ምሕሳብ ግን ዘይከኣል ምዃኑ ጽኑዕ እምነት ኣሎና።


ካብዚ ብምብግስ እምበኣር፣ ሓይልታት ለውጢ ኣብ ኤርትራ፥ ካብ መንግስታት ዞናናን ኩሎም  ሰላምን ፍትሕን ዝድግፉ ሃገራትን ማሕበራትን፥ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ዲሞክራስያዉ ለውጢ ንምርግጋጽዘካይዶ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ደገፎምን ምትሕብባሮምን ክልግሱ ንምሕጸን።


ፈጻሚ ኣካል ግንባርገራዊ ድሕነት ኤርትራ

25 ሰነ 2018

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11072

Posted by on Jun 28 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net