ቃል ኣሰናዳዊት ሽማግለ ሰለማዊ ሰልፊ ጅነቫ ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ ሰለማዊ ሰልፊ

ጅነቫ ፦ ብስም ኣባላት ኣሰናዳዊት ሽማግለ ሰለማዊ ሰልፈ ጂነቭ ንኹሎም ተሳተፍቲ ልባዊ ሰላምታ ድሕሪ ምቅራብ እንቋዕ ብደሓን መጽእኩም ንብል። እዛ ንሳልሳይ ግዜ ዝተወደበትን ሰለማዊ ሰልፈ ብሾሞንተ ኣባላት ሽማግለ ዝቆመትን ኮይና፡ ብኣብ እስቶክሆልም ዝመደበሩ ሓይሊ ዕማም ተበግሶ ምስ ኣብ ስዊስ ዝመደበሩ መኣዲ ዘተ ኤረትራውያን ንፍትሕን ዝተካየደ ኣድማዕን ኣብነታውን ምትሕግጋዝ ዘበገሳ ሽማግለ እያ። እዚ ሰለማዊ ሰልፊ እዚ ከኣ ምስ ብዙሓት ኣብ ኤሮፓ ዝርከባ ኤረትራውያን ማሕበረ ኮማት ዝተካየደ ምውህሃዳት ዘፍረዮ ዕዉት መደብ እዪ። በዚ ዘሑግስ ኣጋጣሚ ንኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ተገደስትን እዚ ሰለማዊ  ሰልፊ ናይ ምድላዋት መድረኻቱ ሰጊሩ ናብዚ ትካፈልዎ ዘለኹምን ዘለኽንን ደረጃ ንክበጽሕ ሓገዛት ዝለገስኩምን ዝለገስክንን ልባዊ ምስጋና ነቅርብ። ከምኡ ድማ ካብ ቀረባን ርሑቅን ድኻምኩምን ገንዘብኩም ከይጸብጽብኩም ንምእንቲ ድምጺ ወጽዓ ናይታ ፍትሕን ቅሳነትን ተሓሪሙዋ ኣብ ትሕቲ ናይ እንኮ ውልቀሰብ ገባቲ ስርዓት ትሳቀ ዘለ ፍትውቲ ሃገርናን ህዝባን ንክተስምዑ ኣብዚ ሰለማዊ ሰልፊ ንክትካፈሉ ዝመጻእኩምን ዝመጻእክንን ወሰን ዘይብሉ ምስጋና ነቅርብ። ንኩሎም ውድባትን፡ ማሕበራትን፡ ሙሁራንን ፡ ደቂ ኣንስትዮን ፡ መንእሰያትን ዓበይትን፡ ከምኡውን ካልኦት ፈተውቲ ፍትሒ ዝኾኑ  ወጻእተኛታት ተኻፈልትን ምስጋናን ሞጎስን ይብጸሓዮም። በዚ ህዝባዊ ሰልፈ እዚ ኣቢልና እውን ንክብርቲ ሽላ ኪታሮስ ፣ወኪል  ሕቡራት መንግስታት ብዛዕባ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤረትራ ትከታተል ኮሚተ ፍልይቲ ልእኽቲ፣ ድሙቅ ልባዊ ምስጋና ነቅርበላ። ብተወሳኺ ሽላ ኪታሮስ ሞያዊ ብቅዓትን፡ ዓሚቕ ፍልጠትን፡ ሰፊሕ ተመክሮን ተወፋይነትን መወዳድርቲ ዘይብሉ ንጽህናን ሕልናን ስለ እትውንን ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣብ ሒዛቶ ዘላ ስረሓ ንክትቅጽል ዘኽእላ ውሳኔ ንከሐድሱላ ድልየትና ስለዝኮነ ብጥብቂ ንጠልብ።

በዚ ኣጋጣሚ ድማ ኤረትራዊ ተቃውሞ ደንበ  ፖለቲካውያን ሓይልታት ሲቪካውያን ማሕበራትን ካለኣኦት ጥርናፌታትን ሓድነተን ኣሐዲሰንን ኣሐይለንን እቲ ዝመረጾን ጉባኤታት ዘሰከመን ሓላፍነት ንክስከማ ንጽውዕ ። ኤረትራዊ ሽግራት ብኤረትራውያም ንክፍታሕ ዘሎዎ ኣገዳስነት ተገንዚበን ካብ ዘለዎኦ ሙንኩስና ዘሕዊየን  ዘተ ኣካይደን ጥዕንኤን  መሊሰን  ዘበነ ኣደራዕ ዘሳቀዮ ዘሎ ህዝብና ይጽበየን ከምዘሎ ክዝክራ ይግባእ።  ብዘይ ፍርዲ ኣብ ማእሰርቲ ዝበልዩን ዝሞቱን ዘለዉ እሱራት፣ተጨውዮም ደሃዮም ዘይተፈጠ ዜጋታት፣ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት መዋእላት ዘቅጽሩ ዘለዉ ስድራ ቤታትን፣ ዕድመ ንእስነቶም ዘብልዩ ዘለዉ መንእሰያትን ፣ ኣብ ፈቆዶ ባሕርታትን ምድረበዳታትን ዝወድቁ ዘለዉ መንእሰያት፣ ከታ ተካኢ ወለዶ ትኽስር ዘላ ሃገር ንሕልና ንመራሕትን ተቃውሞ ደንበ  ከንቀሳቅስ እንተ ዘይበቂዑ ህላወኦም በየናይ ስነሙጉት ከቅጽሉ የኽእሎም ዝብል ሕቶ ህዝቢ ፍትሓዊ ኣብ ምዃን ደረጃ በጺሑ ኣሎ።

ብዛዕባ ሰላም ኣብ መንጎ ኤረትራን ኢትዮጵያን ኩሉ ዝኣመነሉ ውዕል ኣልጀርስ ኣብ ተግባር ውዒሉ ሰላም ሰናይ ጉርብትናን ንኽሰፍን ትምኒትና ንገልጽ ።

ኣብ መደምደምታ፡ ዝሓለፈዝኽሪ መዓልቲ ስውኣት ዕስራ ሰነ ብምዝካር፡ መንፈሱን ትርጉሙን ብምግንዛብ፡ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮም ኣብ ስቃይ ዝነብሩ ዘለዉ ደቂ ሃገር ኣብ ሕልናን ልብን ነፍሰወከፍና ከምዘለዉ ብስም ተካፈልቲ ሰለማዊ ሰልፊ ጂንቭ መልእኽቲ የመሓላልፈሎም። ጽንዓቶም ተጻዋርነቶም ድማ የሕብነና። ብተወሳኺ ሕብረተሰብ ዓለም ብሓፈሽ፡ ብፍላይ ድማ ኣኽበርቲ መሰል ደቂ ሰባት ዝነብሩለን ሃገራት ዘመሓድሩ ዘለዉ መንግስትታትን ዝምልከቶም ዓለምለኽ ትካላትን ውልቀሰባትን ነቲ ኣብ ኤረትራ ብዘይ ገደብ ዝገሃስ ዘሎ ሰብኣዊ መሰላት ተገንዚቦም ቅልጡፍ ፍታሕ ክገብሩሉ ንጽውዕ።

 

ውድቀት ንገባቲ ስርዓት ህግድፍ። ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና ራህዋን ቅሳነትን ንዝሳቀ ዘሎ ህዝብና።

ኣሰናዳዊት ሽማግለ ሰለማዊ ሰልፊ ጅነቫ 22-06-2018

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11081

Posted by on Jul 2 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net