ብስራት ስምምዕ ሓባራዊ ዕዮ ክልተ ሃገራውያን ውድባት ኤርትራ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (EPDP) ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድርን (ENS HIDRI) ኣብ መጽናዕትን ነዊሕ ዝጠመተ ራእይን ዝተመርኮሰ ናይ ሓድነት ዘተ ንኣስታት ሹዱሽተ ኣዋርሕ ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መስርሕ ብዘጥረዩዎ ፍጹም ናይ ስኒትን ምትእምማንን መንፈስ ብሓባር ንኽሰርሑ ብምስምማዕ ናብ ዝለዓለ ምትእኽኻብ ከምርሕ ዝኽእል ቀጻሊ ዘተ ንምክያድ ሓድሽ ናይ ቃልሲ መደብ ሰሪዖም ክንቀሳቐሱ ወሲኖም።

እዞም ክልተ ውድባት እዚኦም ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ነገር ድሕነት ህዝብን ሃገርን  ኤርትራ ንምርግጋጽ እቲ ቀንድን ቀዳማይን ዕማም ምትእኽኻብ ናይ ኩሎም ጸረ ምልኪ ሓይልታት ክኸውን ከምዘለዎ ንነዊሕ እዋን ክጽዕሩ ጸኒሖም’ዮም። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሰነ 2017 ንሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝኸውን እማመ ኣቕሪቡ ናይ ሓባር ጽላል ነቑም ዝብል ጻውዒቱ ንኹሎም ተቓወምቲ ኣማሓላሊፉ ነይሩ ኢዩ። ግብራውነት ናይዚ እማመ’ዚ ንምርኣይ ድማ ኣበርቲዑ ተንቀሳቒሱ ጥራይ ዘይኮነስ ብዙሓት ውድባት ነቲ ጉዳይ ብኣዎንታ ከምዝተቐበሉዎን እቲ ዘተ ጌና ይቕጽል ከምዘሎን ይፍለጥ።

ሃድኤ ሕድሪ ብወገኑ ብሰንኪ ናይ ዱልዱል ሓድነት ባህጎም ብዙሕ ፈተና ሰጊሮም ኣብ ናይ ሓባራዊ ቃልሲ መትከሎም ብዝጸንዑ ኣባላቱ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2018 ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ብሓደ ውድብ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ የለንሞ ኩላትና ጸረ ምልኪ ሓይልታት ንኹሉ ፍልልያትና ወንዚፍና ንሃገርና ካብ ብርሰት ንምድሓን ናብ ሓደ ጽላል ንጠርነፍ ዝብል ጻውዒቱ ኣማሓላሊፉ ኢዩ። በዚ መሰረት ምስ ብዙሓት ኣሓት ውድባት ዝጀመሮ ኣዎንታዊ ውጽኢት ከምጽእ ተስፋ ዝተገብረሉ ኣብ ጉዕዞ ዝርከብ ዘተ ኣሎ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድርን ዝተራኸቡሉ መስርሕ እውን ንሱ ኢዩ። ክልቲኦም ውድባት ንጉዳይ ሓባራዊ ቃልሲ ካብ ልቢ ስለዝደለይዎ ካብ ዕለት 2 ለካቲት 2018 ክሳዕ ሓምለ 8/2018 በብግዝይኡ እናተቛጸሩ ንዓሰርተ ሓደ ግዜ ብዘይ ገለ ብኩራት ተራኺቦም ብዕምቆት ብምዝታይ ዓቢ ምርድዳእ ፈጢሮም፣ ንድሕሪት ዘይምለስ ምትእምማን ድማ ኣጥርዮም። ክልቲኦም ሸነኻት ልዕሊ ውድብን ውልቃዊ ድልየትን ንኤርትራን ህዝባን ቅድሚት ሰሪዖም ስለዝዘተዩ ኣብ ጉዕዝኦም ንድሕሪት ዝጎትት ይኹን ምጥርጣር ዝፈጥር ኩነት ኣይተራእየን።

ክልቲኡ ውድባት ጌና እዚ ሕጂ ዝርኤ ዘሎ ኩነታት ከይመጸ ኢዩ ንሕሉፍ ተሞኩሮታት ገምጊሙ ንመጻኢውን ኣማዕድዩ ጠሚቱ ነቲ መስርሕ ብዕቱብ ተታሓሒዙዎ ጸኒሑ። ምስዚ ሕጂ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርኤ ዘሎ ፖለቲካዊ ማዕበል ተታሓሒዙ ንሃገርና ዘንጸላልዋ ዘሎ ኩነታት ብግቡእ ንዝመዝን ኣካል፡ ምምስራት ሓባራዊ ጽላል ደንበ ተቓውሞ ንጽባሕ ኣብ ዘይብሃለሉ መድረኽ ምብጽሑ ንምርዳእ ምርምር ዘድልዮ ኣይኮነን። ብመሰረቱ ዝምድናታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ምምላሱ ክድገፍ ዝግብኦ ሙዃኑ ናይ ኩልና እምነት ኢዩ። ይኹንምበር ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ክሳዕ ዘሎ ህዝብና ራህዋን ቅሳነትን ስለዘይረክብ ኣብዚ ሕጂ ሃገር ናበይ ትኸይድ ከምዘላ ዘይፍለጠሉ ተኣፋፊ መድረኽ’ዚ ንኹነታት ብግቡእ ገምጊምካ ብሓባር ትትኣኻኸበሉ ጽላል ምፍጣር ኣዚዩ ህጹጽን ፍሉይ ኣቓልቦ ዝጠልብን ኢዩ። ስለዚ ክልቴና ውድባት ነዚ ክንትግብሮ ጀሚርና ዘለና እማመ ሓባራዊ ቃልሲ እናኣሓየልናዮ ከምንኸይድ እናኣረጋገጽና በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎም

  1. ኣብ ምዕቃብ ሉኣላዊ ግዝኣት ኤርትራ ዝኣምኑ፣
  2. ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብምውዳቕ ንናይ ጭቆና መሓውራቱ ንምልጋስ ቅሩባት ዝኾኑ፣
  3. ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ንምቛም ኣብዝሓ ሰልፍታት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝተቐበሉ፣
  1. ብግዝኣተ ሕጊ ዝምራሕን ንዲሞክራስያዊ መሰላት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘኽብርን ስርዓት ንምምስራት ዝቖሙን ንዘተ ቅሩባት ዝኾኑ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ናብዚ ናይ ሓባር ዕዮ ንኽጽንበሩና ደጊምና ጻውዒትና ነቕርብ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ                                                              ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ

www.harnnet.org                                                                                          www.enshidri.net

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና!

ሓምለ 14/2018

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11087

Posted by on Jul 18 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net