ብዕቡይ ስምዒትን ትምክሕትን ዝተኸፈተ ዶብ ብተብተብ ተዓጽዩ፡

ብሃንደበት ኣብ እዝኒ መላእ ህዝቢ ዝበጽሐ ስምምዕ ጸዋዒት ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ብ8 ሓምለ ኣብ ኣስመራ፡ ብዕለት 14 ሓምለ 2018 ኣብ ኣዲስ ኣበባ መራሕቲ ክልቲኡ ሃገራት ዝተራኸብሉ ተፈጺሙ። እዚ ክንደይ ሂወት ሰብ ዝተኸሰሮ ደም ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ዝፈሰሰሉ፡ ንብረት ዝዓነወሉ፡ ህዝቢ ካብ መነባብርኡ ዝተመዛበለሉ ብዘይ ቅድመ ምድላዋት ዝተኻየደ ጸዋዒት ሰላም ነቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ ብዘይኣፍልጦን ጥራሕ ዘይኮነስ ብዘይተሳተፎን ብድሌት ክልቲኦም መራሕቲ ተፈጺሙ። ከም’ቲ ሰብኣይ ዝበሎ ” መርዓትካ ሕርሲ ተገላጊላ ዶ ምስ በልዎ፡ ኣንታ ምግልጋልስ ደሓን ተገላጊላ ነይራ፡ የግዳስ ነገሩ ኣይሰሕቕ ኣየብኺ ኮይኑኒ” ዝበሎ፡ ድሕሪ 17 ዓመት ከኣ ሰላም ተባሂሉ፡ ህዝቢ ዘይቀሰነሉ፡ ብሰንኪ ዶባዊ ኵናት ዝተባዀረ ሃገራዊ ዕማም ክትግበር ዘይምኽኣሉ፡ ልዕሊ ኩሉ ኣስታት 20 ዓመታት ኣብ መዛግብ ኵናት ዝበሊ ዘሎ መንእሰይ ወለዶ ኤርትራ ኣይንቤቱ፡ ንስድርኡ፡ ንቤት ትምህርቱ፡ ንስርሑ፡ ክምለስ ዕድል ዘይህብ ሰላም፡ ብምስጢር ዝኸይድ መስርሕ ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ ይኹን መሓዙት ኤርትራ ዘየቕስን፡ ስርሓት ኮይኑ ተሪፉ። ክሳብ እዚ ዕለት ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቲቱ ዝፈልጦን ዝተሳተፎን ጉዳይ ዘይምኳኑ ታሪኽ መዝጊብዎ ዝሓልፍ ኣጸያፊ ታሪኽ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ’ዩ።

ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ንመደባቱ ንምዕዋት ኣብ መስርሕ ሰላም ክኸዶ ዝጸንሐ ቅንዕናን ግሉጽነት ዘይብሉ ኣገባብ ምዃኑ፡ ከም’ቲ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ከገልግሎ ዝጥቀመሉ ምስምሳት ዘብዝሕ፡ ሰላም ተገይሩ ተባሂሉ፡ መስመር መራኸብን ዶባትን ብሓላፍ ዘላፍን ብዘይ ድሌትን ከም ዝተኸፍተ ኩሉ ዝፈልጦ ኮይኑ፡ ብትዕቢትን ትምክሕትን ዝተኸፈተ ዶብ ከኣ ኣብ መወድእትኡ ብተብተብን ሃታሃታን ክዕጾ ምግባር ማዕረ ክንደይ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት መደባትን ምድላዋትን ከም ዘይነበሮ ዝሕብር’ዩ። ብካልእ ሸነኽ’ውን ኣብ ውሽጢ’ቲ መስርሕ ሰላም ንስልጣኑ ክግልገለሉ ብፍሉይነትን ብምርጫ ንሰራዊት ሓይሊ ባሕሪ፡ ኣውፈርቲ ርእሰ ማል፡ ዓበይቲ ገንዘባዊ ምወላ ዘንቀሳቕሱ፡ ባህላዊ ወዘተ ትካላት ኣብ ቅርዓት ሃገር ነጻ ክንቀሳቐሱ ኣፍቒድካ ዶብ ምዕጻው ከምጽኦ ዝኽእል ሰላም፡ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከኣ ክቅበልዎ ዘጸግሞም መስርሕ ሰላም ይርእዩን ይዕዘቡን ምህላዎም፡ መራኸቢ ብዙሓት ኢትዮጵያ ድሒሮም ንዝበጽሕዎ ኣመለኻኽታ ጉዳይ መላኺ ስርዓት ነቐፈታ ከልዕሉ ይስምዑን ይረኣዩን ምጅማሮም ኣጋጣሚ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ዘይቅኑዕን ግሉጽን ቅድሚ ኩሉ ከኣ ሕጋውነት ዘይብሉ መስርሕ’ውን ምዃኑ እዩ።

ካብ ንግሆ ንምሸት መብጽዓታት ዝቀያይርን፡ ኣብ ዝበሎ ዘይረግጽ ስርዓት ህግዲፍ ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ደም መንእሰይ ኤርትራ ዝፈሰሰሉ ኵናት ገገለ እዋን ” ኣይከሰርናን፡ ጸኒሑ ከኣ ክንዮ ዶብ ክንሓስብ ኣለና” እንዳበለ ሕጂ’ውን ደጊሙ ደጋጊሙ ዶብ ምሕንጻጽ ኣድላይነት ከም ዘይብሉን ልዕሊ’ቲ ኣብ መንጎ ኢትዮ-ኤርትራ ተበጺሑ ዘሎ ውዕል ምድግጋፍ መደብ ልምዓት ኣይከይድዩን’ዩ ብዝብል ሓድሽ ትንተናታት ክወሃብ ህዝብና ዝሰምዓሉ ዘሎ ዘቅስን ሰላም ከም ዘይኮነስ በሪሁ’ዩ። እዚ ዶ ዘይ’ዚ ቅድሚ ኣስታት 3 ወርሒ ብዕቡይነትን ትዕቢትን ዝተኽፍተ ዶብ ብተብተብን ሃተሃታን ክዕጾ እንከሎ፡ መርገጺ ምርልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ምርግጋእን ንጹር መደባት ሰላምን ዕርቕን፡ ሓባርዊ ምትሕግጋዝ ቅንዕና ከም ዘይብሉ ዘነጽሮ’ዩ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታ

ሰዲህኤ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11238

Posted by on Jan 2 2019 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net